ቅልውላው ትግራይ፡ ትኹረት ዘይረኸበ ብምኽንያት ሕብሪ ቆርበት ክኸውን ከምዝኽእል ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ወቒሱ።

ብወረርቲ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝዓነወት ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝበፅሕ ስቓይ ትኹረት ማሕበረሰብ ዓለም ዘይሰሓበሉ ምኽንያት ብዘርኣዊ ምኽንያት ከምዝኾነ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖ ሓቢሩ።

ቅልውላው ትግራይ ካብ ዓለምና እቲ ዝኸፍአ ቅልውላው ከምዝኾነ፣ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝኣክል ህዝቢ ትግራይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከይረክብ ተኸልኪሉ ማዕሮ ማዕሮ ዩክሬን ክረአ ከምዘይከኣለ ወቒሱ ክብል ማዕኸን ዜና ሮይተርስ ፀብፂቡ።

ብምዃኑ እውን ቅልውላው ትግራይ፡ ትኹረት ዘይረኸበ ብምኽንያት ሕብሪ ቆርበት ክኸውን ከምዝኽእል ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብሪሁ።

ዶክተር ቴድሮስ ወሲኹ፡ “ኣነ ትግራዋይ እየ። ኣነ ትግራይዋይ ስለዝኾንኩ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ኣጋኒነ ኣይኮንኩን ዘቕርቦ ዘለኹ። ቅልውላው ትግራይ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዩ።” ክብል ተዛሪቡ።

ህዝቢ ትግራይ፡ ንኣስታት 21 ኣዋርሕ ብሰንኪ ስርዓታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ክባን ዕፅዋን ከምዘሎን ማሕበረሰብ ዓለም መፍትሒ ከናድየሉን ፀዊዑ።

ዶክተር ቴድሮስ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ መድረኻት ብዝረኸቦ ዕድል፡ ቅልውላው ትግራይ ብምቅላዕ ዝቃለስ ዘሎ ዓለምለኸ መራሒ ትግራዋይ እዩ።

ዶክተር ቴድሮስ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ንካልኣይ ግዜ ንዝቕፅል ሓሙሽተ ዓመት ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኑ ከምዝተመረፀን ኣብዚ ሰሙን ዕላዊ ስራሕ ከምዝጀመረን ይዝከር።