ስርዓት ኢትዮጲያ መሰረታዊ ኣገልግሎት ኣብ ትግራይ ንምጅማር ፈለማ ዘላቒ ስምምዕ ተኹሲ ደው ክብጻሕ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ክባን ዕጽዋን ብምንባር መሰረታዊ ኣገልግሎት ኣቋሪጹ ትግራይ ከንበርክኽ ዝሰርሕ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎት ንምጅማር ፈለማ ዘላቒ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ክፍጸም ኣለዎ ኢሉ።

ስርዓት ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኣወጆ ኲናት ብሰላም ንምኽንባት ብዝብል ዘጣየሾ ተደራዳሪ ጉጅለ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ መሰረታዊ ኣገልግሎት ንምጅማርን ናብ ንቡር ንምምላስን ተኺሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕነት ክፍጸም ኣድላይ ከምዝኮነ ኣረዲኡ።

ቅድሚ ሐዚ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክከፍተሉ ዘይከኣለሉ ምኽንያት ብመንግስቲ ትግራይ ነቶም እዚ ክሰርሑ ናብ ትግራይ ዝለኣኹ ሰብ ሞያ ውሕሰና ክወሃበኒ ኣይከኣለን ዝብል ምክንያት ንዲፕሎማሰኛታት ከቅርብ ከምዝፀንሐ ይፍለጥ።

ኮይኑ ግና መንግስቲ ትግራይ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣቢሉ ዝተፈረመ ናይ ውሕስና ደብዳበ ንዲፕሎማሰኛታት ምሃቡ ስዒቡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ሓዱሽ ምኽንያት ማሂዙ መስረታዊ ኣገልግሎት ኣብ ትግራይ ዝጅመር ድሕሪ ስምምዕ ቶኩሲ ጀው ምባል ከምዝኾነ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ጉጅለ ዘውጽኦ መግለጺ ሲዒቡ ርኢቱኡ ኣብ ቲዊተር ዘንበረ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ውድብ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ዝወጸ መግለጺ ማሕበረሰብ ዓለም ንምትላል ዝግበር ጸወታ ከምዝኾነ ዝገለጸ ክኸውን ከሎ እቲ ኩነታት ናይ ምድንጓይ ስልትታት ካብ ምኽታል ወጻኢ  መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላማዊ ዘተ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ድልየት ከምዘይብሉ ኣብሪሁ።

ስርዓት ኢትዮጲያ እዚ ኣብ ዝብለሉ እዋን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰለማውያን ሰባት ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ምቁራጽ መሰረታዊ ኣገልግሎት ንጥምየትን ሞትን ተሳጢሖም ከምዘለውን ሰራዊቱ ድማ ብኣንፈት ምዕራብ ትግራይ ወታደራዊ ደብዳባትን ኲናት ይጽሕትርን ከምዘሎ ይፍለጥ።