ኣብ ትግራይ ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዕደላ ፍትሓውነት ከምዝጎድሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ ረድኤት በብእዋኑ ብስሩዕ ከምዘይርከብን ዋላ እውን እቲ ዝወሃብ ረድኤት ባዕሉ ስድራቤት ንምምሕዳር እዅል ከምዘይኮነ ቢቢሲ ንነበርቲ ተወኪሱ ጸብጺቡ።

ከምኡ እውን ኣብ ዕደላ እቲ ረዲኤት ምስ ብልሽውና ተተሓሒዞም ዝለዓሉ ቅሬታታት ህዝቢ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ እቲ ረዲኤት ኣብቶም ማእከላት ዝነብሩ ተመዛበልቲ ዝውክልዎም ኮሚቴታትን በብዝነበርዎ ዞባ ተጠርኒፎም ብኣመሓደርቲ ዞባን ክዕደል እዩ ዝግበር።

ኮይኑ ግና ረድኤት ኣብ ምክፍፋልን ምብጻሕን ብፍላይ ድማ ቀዳምነት ኣብ ምሃብ ጸገማት ከምዘለው ቢቢሲ ኣቃሊሑ።

ካብ ተዓደልቲ ረዲኤት ሓደ ዝኾነ ኣይተ ኣባዲ፡ ብኽንደይ ጥርዓን ረድኤት ከምዝረኽቡ ዝገልጽ “… ኣረጊትን ህጻውንትን ሒዝካ …ጥርዓን ናብ ክፍለ ከተማ ድዩ ናብ ዞባ…እዩ። መራሒ ኣሎና ድዩ የብልናን እንድዒ! ጠሚና እዩ እቲ ጥርዓን፤ ካልእ ትግርኛ የብሉን።” ክብል ተዛሪቡ።

እንታይ እዩ እቲ ጸገም?
“ኣብቶም ታሕተዎት ኣመራርሓ እንደገና ንሶም ቤተሰቦም ንኽውገኑ… በቃ ናይ ምጭብርባር ዝዓይነቱ’ዩ መግለጺ የብሉን። ውሽጢ ውሽጢ ብቲፎዞ…” ከምኡ’ውን ሓበሬታ ብምዝባዕ ንውልቆም ዝጥቀሙ ኣባላት ምምሕዳር ኣለዉ” ይብል።

ብተወሳኺ ኣይተ ኣባዲ ሕጊ፣ ሕገ መንግስትናስ፡ ዋላ ሰላም ኰይኑ እንተተሓጎስና እውን ምሕደራ ዝበሃል የለን ኣብዚ። ምጭብርባር እዩ ዘብልዕ። ድምጺ ዘይብሉ ይሓቅቕ፣ ድምጺ ዘለዎ ኸዓ ዘራይ ኣለዎ።” ክብል ኣማሪሩ።

ብተወሳኺ ብውልቆም ረድኤት ሒዞም ዝመጽኡ ዝተፈላለዩ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ረድኤት ከየከፋፍሉ ከምዝግበሩ እቲ ማዕኸን ዜና ጸብጺቡ።

ኣይተ ኣባዲ ወሲኹ እቶም ናይ ዞባ ተባሂሎም ዝተመረጹ፡ “…ዝገደደ ጨካናት ኰይኖም ኣለው። ኣብዚ ምጽራይ የለን። ‘እንታይ እዩ ሽግሩ?’ ኣኼባ ኣኪቦም ‘ዘለኩም ሽግር ንገሩና’ ዝብልስ የለን። በቃ ኣብ ወንበርካ ኴንካ ብጭካነ ምዕጻው፡” ክብል ኣብ ምሕደራን ዕደላን ዘለዎ ቅሬታ ገሊጹ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ህዝቢ ትግራይ ኣደዳ ጥምየት፣ ሞትን ሕማማትን ኮይኑ ክበታተንን ኢዱ ክህብን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዓጽዩ ተግባራት ዕጽዋን ክባን ኣጠናኺሩ ቀፂሉሉ ኣሎ።

ኮይኑ ግና ክንደይ መሰናኽል ሓሊፉ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሰብኣዊ ረዲኤት ብፍትሓውነት ኣብ ምዕዳልን ምሕደራኡን ተደጋጋሚ ጸገማት ከምዝለዓሉ ይግለጽ።