ጉጅለ ልኡኽ ባይቶ መንግስቲ ኣሜሪካ ኬንያ ኣትዩ።

ጉጅለ ልኡኽ ባይቶ መንግስቲ ኣመሪካ ምስ ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ ንምርኻብ ናይሮቢ ከምዝኣተወ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኬንያ ሓቢሩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ብሰነተር ክሪስ ኩንስ ዝምራሕ ክኸውን ከሎ ምስ ነበር ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ሓዊሱ ምስ ብመረፃ ፕረዚዳንትነት ዝተዓወተ ዊልያም ሩቶን ከምዝተራኸቡ ተገሊፁ።

ሓድሽ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ምኽትል ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ዝነበረ ክኸውን ከሎ ኮይኑ ግና ኬንያታ ኣብቲ መረፃ ደጋፊ ንመራሒ ተቓወምቲ ራይላ ኦዲንጋ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ብምዃኑ እውን ብፀቢብ ዝተስዓረ ኦዲንጋ ድማ ውፂኢት መረፃ ከምዘይቕበሎን ብሕጋዊ መስርሕ ክምርመርን ፀዊዑ እዩ።

ብመሰረት እዚ ልኡኻት መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ መንጎኦ እዞም ተመረፅቲ ዘሎ ኣፈላላይ ንምፅባብን ነቲ ፕሬዚዳንት ኬንያ ነበር እሁሩ ኬንያታ ክምእዘን ብመንግስቲ ትግራይ ጠለብ ዝቐረበሉ ዘተ ሰላም ኢትዮ- ትግራይ ንምዝታይ ዝዓለመ ክኸውን ከምዝኽእል ተዓዘብቲ ይገልፁ።

ሰኔተር ክሪስ ኩንስ፡ ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ጉዳይ ቅልውላው ኲናት ትግራይ መዕለቢ ክረክብ ብዘይምቁራፅ ድምፂ ካብ መንጎ ዝቃለሱ ፈተውቲ ትግራይ ሓደ እዩ።