ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንሓደሽቲ ተወላዶ ኣምሓራ ጤሳን ተሓራሲ መሬትን ይዕድል ከምዘሎ ተገሊፁ።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንሓደሽቲ ተወለድቲ ኣምሓራ ጤሳን ተሓራሲ መሬትን ይዕድል ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ተስፋሕፋሒ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ኣብቲ ብሓይሊ ዝጎበጦ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ምልዋጥ ኣሰፋፍራ ህዝቢ “ዲሞግራፊ” የካይድ ከምዘሎ ድምፂ ኣሜሪካ ኣቃሊዑ።

ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣሰፋፍራ ህዝቢ ንምልዋጥ ካብ ዝተፈላለዮ ከባቢታት ሰሜንን ደቡብን ጎንደር ዝመፁ ሓደሽቲ ተወላዶ ኣምሓራ ተሓራሲ መሬት ክዕደሉን ጤሳን ይስራሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እዚ ድማ ኮነ ተባሂሉ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብሓድሽ ኣሰፋፍራ ህዝቢ ኣምሓራ ንምልዋጥ ዓሊሙ ዝግበር ዘሎ ከምዝኾነ እቲ ማዕኸን ዜና ኣቃሊዑ።

ከምኡ እውን ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ቁፅሮም ብርክት ዝበሉ ካብ ካልኦት ከባቢታት ኣምሓራ ኣጓዓዒዞም መሬት እናሸንሸነ የስፍሩ ከምዘለውን ገለ ነበርቲ ተቓውሞ ከምዘስመዑን እቲ ማዕኸን ዜና ንነበርቲ ተወኪሰ ኣረጋጊፀ ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ምእዋጁ ሲዒቡ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተመሓዝዩ ዝኣተወ ተስፋሕፋሒ ሓይሊ ኣምሓራ ብሚልዮን ዝግመት ትግራዋይ ኣፈናቒሉ፣ ቀቲሉን ኣሲሩን እዩ።