ብኩሉ ግንባራት ዝረአ ዘሎ ምንቅስቃስ ሰራዊት ኢትዮጲያ፡ ዳግም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ንምውላዕ ከምዝኾነ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊጹ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ብኩሉ ግንባራት ዝገብሮ ዘሎ ወታደራዊ ምትእኽካብን ምንቅስቃስን ስርዓት ኢትዮጵያ ዳግም ትግራይ ንምውራር ዝዓለመ ምኻኑ እኹል ምልክት ከምዝኾነ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓቢሩ።

ስርዓት ኢትዮጲያ ጎስጓስ ኲናት ሙሉእ ንሙሉእ ዳግም ከምዝጀመረን ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ኢትዮጲያ ብውልቂ ብኣንፈት ደደቢት ዝተፈጸመ ደብዳብ ኣሚኖም እናሃለው ብዕሊ ግን መንግስቲ ኢትዮጲያ እቲ ደብዳብ ንምፍጻሙ ከምዝካሓደ ኣይተ ጌታቸው ኣብ ትዩተር ገጹ ጺሒፉ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ቀረባ እዋን ብኩሉ ኣንፈታት ሓዱሽ ወታደራዊ ምድላዋት ኣብ ምግባር ዝርከብ ኮይኑ ብኣፈት ደቡብ ትግራይ ቆቦ ብኣማኢት ዝቁጸራ ሰራዊት ኢትዮጲያ ዝጻዓና መካይን ኣብ ቀረባ እዋን ከምዘጸገዐ ካብቲ ከባቢ ዝወጸ ሓበሬታ የመላኽት።

ማዕኸናት ዜና ስርዓት ኢትዮጲያ ብወገነን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝሰርሓኦ ፕሮፖጋንዳ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ዝመጸ ክኸውን ከሎ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጲያ ብወገን ትግራይ ንዘተ ዕንቅፋት ክኾኑ ዝክእሉ ኩነታት ከምዘሎ  ኣምሲሉ ክሲታት ምቅራቡ ዝዝከር እዩ።

እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዳግማይ ኲናት ንምእዋጅ ብሽም ዘተ ግዜ ገዚኡ ንነዊሕ እዋን ክዳለው ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ቀረባ እዋን ሰራዊቱ ብብዙሕ ቁጽሪ ናብ ኣንፈት ትግራይ የጽግዕ ከምዘሎን ኲናት ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ምልዓል ዕድሉ ሰፊሕ ከምዝኾነ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።