ኣብ ትግራይ ካብ ሰለስተ ህጻናት እቲ ሓደ ብሕጽረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ከምዝጥቃዕ ሕብራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ኣብ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ሰለሰተ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝርከቡ ህጻናት እቲ ሓደ ብሕጽረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ከምዝጥቃዕ ሕቡራት ሃገራት ኣቃሊዑ።

ብመሰረት ሓዱሽ ጽንዓት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም 29 ሚኢታዊ ህጻናት  ብኸቢድ ጉድለት ኣመጋግባ ከምዝጥቃዑን ልዕሊ ፍርቂ ጥኑሳትን መጥወብትን ኣደታት ብሕጽረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ከምዝጥቑዑ ዘ ጋርድያን ጸብጺቡ።

ሰብ ሞያ ጥዕና 15 ሚኢታዊን ልዕሊኡን ሕጽረት ዝተመጣጠነ ምግቢ  መመላከቲ ህጹጽ ኩነታት ገይሮም ዝወስዱ እንትኾኑ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ትግራይ ክሳብ 65 ሚኢታዊ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት ብሕጽረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ዝተጠቕዑ ከምዝኾኑ ኣረዲኡ።

ወሃቢ ቃል ውድብ ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጲያ ክሌር ኔቪል እቲ ኣሃዝ ኣዝዩ መሻቃሊ ከምዝኾነን እዚ ኩነታት ብሰንኪ ዘሎ ሕጽረት ገንዘብ ክጋደድ ከምዝክእልን ኣተሓሳሲቡ።

ብሕጽረት ምግቢ ዝተጠቅዑ ህጻናት ናይ ሙሟት ዕድሎም ብ12 ሚኢታዊ ዝዛይድ እንትኸውን ነዞም ህጻናት ካብ ሞት ንምዳሓንን ህጹጽ ሓገዝ ንምግባርን ተግባራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንልዕሊ 20 ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኣወጆ ኲናትን ዘንበሮ ዕጽዋን ሲዒቡ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ሰለማዊያን ሰባት ከምዝሞቱ ዝግመት ኮይኑ ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ህዝቢ ትግራይ ድማ ንጥምየት ተቃሊዑ ይርኸብ።