ስርዓት ኤርትራ “ወያነ ክትወረና ትዳሎ ኣላ” ብዝብል ኩሉ ኤርትራዊ ናብ ሰራዊት ክጽምበር የገድድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ዝእወጅ ኣትሒዙ 18 ዓመት ዝመልአ መንእሰይ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ወተሃደራዊ ታዕሊምን ዓመታዊ ኣገልግሎት ክፍጽምን ከምዝግደድ ቢቢሲ ጸብጺቡ።

ብፍላይ ድሕሪ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ዓመታዊ ናብ ሰራዊት ዝጽንበር እምበር ኣገልግሎቱ ወዲኡ ካብ ሰራዊት ዝሰናበት መንእሰይ ኤርትራ ከምዘየለ ተሓቢሩ።

ነዚ ኣመልኪተን ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ከም ኣምኒስት ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን እቲ ካብ 18 ኣዋርሕ ናብ ገደብ ኣልቦ ግዱድ ዕዮ ዝተሰጋገረ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጥንቂ ስደትን ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት ከምዝኾነ ይገልጻ።

ከምኡ እውን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብጨካን ወተሃደራዊ መቕጻዕትን ስቓይን ሃገሮም ገዲፎም ናብ ጐረባብቲ ሃገራትን ዝተፈላለየ ሃገራት ኤውሮጳን ከምዝስደዱ ንመጽሓፍ “ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ” ዶ/ር ጋይም ክብረኣብ ብምጥቃስ እቲ ማዕኸን ዜና ኣቃሊዑ።

ብተወሳኺ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሃዲሙ ዶብ ክሰግር ዝተረኽበ ኣባል ብጥይት ክህረም ዝእዝዝ መምርሒ ከምዘሎን ብርክት ዝበሉ ሰባት ግዳይ ጥይት ከምዝኾኑ እውን ተሓቢሩ።

ብምዃኑ እውን ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዞባ ደቡብ ሰገነይትን ከባቢኣን ካልእ ከባቢታት ኤርትራን ንዝኾብለሉ መንእሰያት ንምህዳን፡ ንስድራቤቶም ደቆምን ወለዶምን ምክልባት ዝዀነ ሕልና ዘለዎ ፍጡር ኮነ ስርዓት ክፍጽሞ ዘይትጽበዮ ኣካል ናይቲ ሃገራዊ ባርነት ዝወለዶ ግፍዒ ከምዝኾነ ይግለፅ።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወራር ዘካየደ ስርዓት ኤርትራ ሕጂ እውን “ወያነ ክትወረና ትዳሎ ኣላ” ብዝብል ኩሉ ኤርትራዊ ‘ታሪኻዊ ግድነታዊ መድረኽ’ ክብል ኣብ ዝሰየሞ ናይ ክተት ወፍሪ ክሳተፍ የገድድን ይገፍፍን ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ሰራዊት ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ ትግራይ ወራር ኣብ ዝፈፀሙሉ እዋን ኣብ ዓለም ክፍፀሙ እዮም ተባሂሎም ዘይግመቱ ጅምላዊ ቅትለት፣ ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮ፣ ዕንወትን ጉሕለትን ትካላት ከምዘካየደ ዝፍለጥ እዩ።