ምዕራብ ትግራይ ጎቢጡ ዘሎ ስርዓት ኢትዮጵያ ብግልባጡ ሰራዊት ትግራይ ካብ ዝወረሮ መሬት ብህፁፅ ክወፅእ ፀዊዑ።

ምስ ልፍንቲ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ተሻሪኹ ምዕራብ ትግራይ ብሓይሊ ጎቢጡ ዘሎ ስርዓት ኢትዮጵያ ብግልባጡ ሰራዊት ትግራይ ካብ ዝወረሮ መሬት ብህፁፅ ክወፅእ ኣለዎ ኢሉ።

ኣብቲ ብምኽንያት፡ ዓመታዊ በዓል ሻደይ ኣብ ከተማ ሶቖጣ ተረኺቡ መደረ ዘስመዐ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃእን ኣይተ ደመቀ መኮነን፡ ሰራዊት ትግራይ ዝሓዞ መሬት ልዕሊ እዚ ሒዝዎ ክፀንሕ ኣይንፈቅድን ክብል ንኲናት ከምዝተዳለወ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስትር፡ ሰራዊት ትግራይ ሒዝዎ ዝበሎ መሬት ኣየናይ ከምዝኾነ ብግልፂ እኳ እንተዘይጠቐሰ ኣብ ሓፂር ግዜ መልክዕ ክነትሕዞ ኢና ክብል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወራር ከምዘካይድ ግልፂ ገይሩ።

እቲ ሰፊሕ መሬት ምዕራብ ትግራይ ወሪሩ፡ ብሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ዘፈናቐን ዝቐተለን ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ሓራ ኣብ ዘውፀኦ መሬት ትግራይ ዓሪዱ ዘሎ ሰራዊት ትግራይ ካብ ዝሓዞ መሬት ክወፅእ ኣለዎ ክብል ኣይተ ደመቀ ገሊፁ ኣሎ።

ኣይተ ደመቀ፡ ንስርዓት ኢትዮጵያ ወኪሉ ምስ መንግስቲ ትግራይ ንኽዛተ ንዝተመዘዘ ጉጅለ ዝመርሕ ዘሎ ክኸውን ከሎ ነዚ መድረ ምስምዑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ትግራይ ንምዝታይ ዝኾነ ዓይነት ድልውነት ከምዘይብሉ ዘርኢ ከምዝኾነ ተዓዘብቲ የረድኡ።

ከምኡ እውን ብምኽንያት እቲ በዓል፡ ኣብ ከተማ ሶቖጣ ዝተረኸበ ኣማሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ይልቃል ከፍኣለ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ናይ ሓባር ፀላኢ ከምዘለዎ ተረዲኡ ንሱ ወያነ ንዝበሎ መንግስቲ ትግራይ ንኽዋጋእ ብቃልዕ ፀዊዑ።

ብተመሳሳሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢ ኣሕመድ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ንወኪላት መናእሰይ ኢትዮጵያ ኣኪቡ ኣብ ዝገበሮ መደረ ድሕሪ ሕጂ ሰራዊት ትግራይ ክንዲ ድላዩ ሓይሊ ወላ እንተሰለፈ ክስዕረና ኣይኽእልን ክብል ከምዝተጀሃረ ይዝከር።

ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ዘተ ሰላም ከም መግዝኢ ግዜ ይጥቀመሉን ትግራይ ንምውራር ይዳሎ ከምዘሎን ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ክገልፅ ዝፀንሐ ክኸውን ከሎ መንግስቲ ትግራይ ነዚ ሽርሒ ተረዲኡ ዝተረፈ መሬት ትግራይ ሓራ ከውፅእ ዘይምኽኣሉ ብሊህቃን ትግራይ ክውቀስ ፀኒሑ እዩ።