ኣዋልድ ትግራይ፡ በዓል ኣሸንዳ ንመበል ካልኣይ ግዜ ኣብ ክባን ዕፅዋን ኮይነን ከምዘኽበራኦ ተዓዋቲት ሲኤንኤን ” ሲኤንኤን ሄሮ” 2019 ፍረወይኒ መብራህቱ ሓቢራ።

ተዓዋቲት ሲኤንኤን ” ሲኤንኤን ሄሮ” 2019 ፍረወይኒ መብራህቱ ኣብ ትዩተር ገፃ ከምዝገለፀቶ ኣዋልድ ትግራይ በዓል ኣሸንዳ ንመበል ካልኣይ ግዜ ኣብ ክባን ዕፅዋን ኮይነን ከምዘኽበራኦ ኣብሪሃ።

ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዋላ እኳ ኣብ ክባን ዕፅዋን ኮይነን የኽብራኦ እንተሃለዋ፡ ልክዕ ከም ኣዴታተንን ኣቦታተንን ብሉፃት እየን ክትብል ኣሞጊሳተን።

ብፍላይ ድማ “ኣብ ድፋዕ ዘለኽን ጀጋኑ ኣሕዋተይ ኣጆኽን” ብምባል ትግራይ ካብ ወረርቲ ንምክልኻል ይኳሽሓ ንዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐክን መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ።

ቅድም ክብል ኣብ ትግራይ ብኣማኢት ዝቑፀር ህዝቢ ብሕሱም ጥምየት ይመውት ከምዘሎን ጥምየት ከምመሳረሒ ምጥቃም ድማ ኣግባብ ከምዘይኮነን ገሊፃ ነይራ።

ትግራወይቲ ፍረወይኒ መብራህቱ፡ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ወርሓዊ ፅግያት ተዛሚዱ ንዘጋጥም ፀገም ንምፍታሕ ዝሕፀብ ዘበናዊ ሞዴስ ብምስራሕ ኣብ ዕዳጋ ምውዓላ ይፍለጥ።

ነዚ መበገሲ ብምግባር ማዕኸን ዜና ሲኤንኤን በቢ ዓመቱ ፀገማት ማሕበረሰብ ዝፈትሑ ውፂኢታት ምህዞ ንዘበርከቱ ሰባት ዝሽልም እንትኾን ፍረወይኒ ድማ ምስ 10 ብሉፃት ሰባት ብምውድዳር ተዓዋቲት ጂግና ሲኤንኤን 2019 ከምዝኾነት ዝዝከር እዩ።