ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ኣካል ዘተ ሰላም ትግራይ ክትከውን ምጽውዑ መርኣያ ናይቲ ዝሓዞ ግጉይ ኣካይዳ ከምዝኾነ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓቢሩ።

ኣባል ማእከላይ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይን ወሃቢ ቃል መንግስትን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንማዕኸን ዜና “ዘኣፍሪካን ሪፖርትስ” ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተጀመረን ብኦባሳንጆ ዝምእኸልን ዘተ ሰላም ትግራይ ብኣጋኡ ከም ዝፈሸለ ኣብሪሁ።

እቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ከካይዶ ሓሲቡዎ ዝነበረ ሽምግልና ካብቲ ሎሚ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ቅድሚ ኣዋርሕ ልኡኽ ኦቦሳንጆ ሽማግለ ክኸውን ክምረጽ ከሎ ዝነበረ ዕድል ዝሓሸ ምዃኑ ገሊጹ።

ኮይኑ ግና ኦቦሳንጆ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዘይቃዶ ኣካይዳ ሒዙ ዝኸይድ ሻራዊ ሽማግለ ብምባል ዝነቐፎ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ነታ ብኢትዮጵያ ተዓዲማ ኣብ ትግራይ ጆኖሳይድ ዝፈጸመት ኤርትራ ኣካል ናይቲ ዘተ ክትከውን ምጽውዑ መርኣያ ናይቲ ሒዙዎ ዘሎ ግጉይ ኣካይዳ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣቐዲሙ ብቴዊተር ከም ዝሓበሩዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ብልዝብ ክፈትሖ እየ ዝበሎ ጉዳይ ትግራይ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ንምፍታሕ ሰራዊቱ የንቀሳቕስ ከም ዘሎ ምግላፁ ይዝከር።

ከምኡ እውን ስርዓት ኢትዮጵያ ንዲፕሎማስያዊ ሽፋን ሰላም ዝብል ቃል የስምዕ ከምዘሎ ብምግላጽ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሰራዊትና ዘካየዶ ደብዳብ ኣይፈጸምክዎን ክብል ጸኒሑ ሕጂ ብውሽጢ ካብ ትእዛዝና ወጻኢ ዝተፈጸመ ‘ዩ ዝብል ምኽንያት ከምዘቕረበ ምሕባሩ ይፍለጥ።