ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ስምምዕ ኲናት ደው ምባል ጢሒሱ፡ ብሸነኽ ደቡብ ትግራይ ሙሉእ ኲናት ከምዝጀመረ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ኣፍሊጡ።

ፀላኢ ብግንባር ደቡብ፣ ኣብቲ ግንባር ዝፀንሑን ካብ ካሊእ ከባቢ ዝወሰኾምን ክፍላተ ሰራዊት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ፣ ፋኖን ምልሻን ወሎ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ መዓልትታት ናብ ቅድሚት እናቀራረበ ከምዝፀንሐ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ከምኡ እውን መበል 6ይን 8ይን ኣጋር እዝታት፣ መበል 2ይ፣ 6ይን 8ይን መካናይዝድ ክፍለ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓዊሱ ሎሚ 18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ወጋሕታ 11 ሰዓት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወራር ከምዘካየዱ ኣቃሊሑ።

ብምዃኑ እውን እዞም ወረርቲ ብኣንፈት ጩቤ በር ጃኖራ፣ ጉባጋላን ያለውን ናብ ኣላማጣ ባላን ቢሶበርን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝጀመሩ ሓቢሩ፡፡

ስርዓት ኢትዮጵያ ብግባር ደቡብ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ደቡብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሩ ንምእታው ክንዲ ዝክኣሎ ዝደፍእ ሓጋዚ መጥቃዕቲ ኣንፈት እምበር እቲ ቀንዲ መጥቃዕቱ ካብ ምዕራብ ትግራይን ምዕራብ ጎንደርን ናብ ኣድያቦ፣ ኣስገደን ፀለምትን ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ።

ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ትግራይ ሕጂ ተዳኺሙ እዩ፣ ብኲናት ክውድኦ ይኽእል እየ ኣብ ዝበለሉ እዋን ነቲ ዝተወሰነ ኣዋርሕ ዝፀንሐ ተፃብኦ ደው ምባል ጥሒሱ ሎሚ ወጋሕታ ብዕሊ ኲናት ከምዝጀመረ ኣረዲኡ።

ስለዝኾነ እውን ሰራዊት ትግራይ ነቲ ወራር ብዘተኣማምን ብምምካትን ናብ ፀረ መጥቃዕቲ ብምስጋርን ዝተወረረ ልኡላዊ መሬት ትግራይን ዝተፈናቀለ ህዝብናን ናብ ንቡር ቦትኡ ንኽምለስ ከምዝገብር እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።