ውድብ ሳወት ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ “ዝተፈናቐለ ህዝቢና ናብ መረበቱ ንምምላስ” ኢሉ ንዝሓዞ መርገፂ ከም ዝንእድ ገሊፁ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ ዘውፅኦ እዋናዊ መግለፂ ህዝባውን መንነታውን ቃልሲ እንዳተኻየደ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ፣ እዚ ኣንፃር ዘርኢ መፅነቲ እናካየድናዮ ንርከብ ቃልሲ ውሽጣዊ ሓርነትን ናፃ ሃገረ ትግራይ ብምግሃድን ክዕወት እዩ ኢሉ ከምዝኣምን እውን ገሊፁ ኣሎ። ነቲ ተኣዊጁልና ዘሎ ዂናት ዘርኢ ምፅናት ኣብ ምምካት ድማ ኩሉ ኢዱ ክሓውስ ፃውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ። መሉእ ትሕዝቶ ከምዝስዕብ ይንበብ።

እዋናዊ መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

ዒስራን ክልተን ኣዋርሕ ዝሓለፎ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ትግራይ ኣብ ‘ተፃብኦ ደው ምባል’ ተበፂሑ ምስተብሃለ ሰላማዊ ፍታሕ ክንበረሉ ተስፋ ተገይሩ’ኳ እንተነበረ ተዋጋእቲ ሓይሊታቱ ናብ ትግራይ ከፀግዕ ዝቐነየ ስርዓት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሓይሊታት ምክልኻል ትግራይ ከም ዝፈነወ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እዚ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢና ዝፈፀሞን ይፍፅሞን ዘሎ ዘርኢ ናይ ምፅናት ተግባር ይቕረ ዘይበሃል ኮይኑ ሐዚ እውን ህዝቢን ሰራዊትን ትግራይ ምእንተ ሰላም ኢሉ እናኸፈሎ ንዝርከብ መስዋእቲ ዋጋ ብምኽላእን መጥቃዕቲ ብምፍፃምን ህዝቢ ትግራይ ከጥፍእ ዝህቅን ሕዱር ተግባሩን ሸውሃቱን ዛጊድ ከምዘይዛረየ ደጊሙ ግልፂ ገይሩ ኣሎ።

ህዝቢና ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋእሉ ምእንተ ብሄራዊ መንነቱ ክቃለስ ዝፀንሐ ከም ዝኾነ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ክልተ ዓመት ክደፍን ዝቐረበ ህዝባዊ ቃልሲ እውን ምእንተ ህላውኡን ምሕላው ብሄራዊ መንነቱን ኮይኑ ብምርግጋፅ ውሽጣዊ ሓርነትን ምስረታ ናፃ ሃገረ ትግራይን ድማ ክኽምበት ኣለዎ።

እዚ ኣንፃር ዘርኢ መፅነቲ እናካየድናዮ ንርከብ ቃልሲ ውሽጣዊ ሓርነትን ናፃ ሃገረ ትግራይ ብምግሃድን ክዕወት እዩ ኢሉ ዝኣምን ውድብና ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ እዚ ንምዕዋት ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ታሪኻዊ ሓላፊነቱ እናተዋፅአ ዝመፅአ ኾይኑ ሐዚ እውን ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ቃልሲ ማለት እውን ፤ ፖለቲካዊ ፣ ወታደራዊን ዲፕሎማሲያዊን መዳያት ዝገብሮ ቃልሲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ከረጋግፅ ይደሊ።

ህዝቢና ህዝቢ ትግራይ ፈታዊ ሰላም እዩ። ዋርድያ ድሕንነቱን ሰላሙን ምእንተ ክኾኖ እዩ ድማ ዓርሱ ናይ ምድሓን ተፈጥሯዊ መሰሉን ህዝባዊ ቃልሱን ተጠቒሙ ሓይሊታት ምክልኻል ትግራይ ዘጣየሸ። ዋሕስ ህላወና ዝኾነ ሓይሊታት ምክልኻል ትግራይ ሓገዝን ወሃብነትን ኩለና ኣብ ዝጠልበሉ ግዘ ድማ ንርከብ። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ ደገ ይኹን ውሽጢ ንዘሎ ኩሉ ትግራዋይ ብሄራዊ ሓድነቱን ስምረቱን ብምሕላውን ዝያዳ ብምጥንኻርን ንሓይሊታት ምክልኻል ትግራይ ኣድላይ ዝበሃል ኩሉ ክገብርን ህዝባዊን ኩለመዳያዊን ቃልሱ ከሐይልን ይፅውዕ።

በዚ ኣጋጣሚ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ “ዝተፈናቐለ ህዝቢና ናብ መረበቱ ንምምላስ” ንዝሓዞ መርገፂ ናእድኡ ክገልፅ ይፎቱ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
19 ነሓሰ 2014 ኣ.ግ

መቐለ ፣ ትግራይ