ስርዓት ኢትዮጲያ ኣብ ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ ንምክያድ  ይዳለው ከምዘሎ መንግስቲ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ: መንግስቲ ኢትዮጲያ ናብ ትግራይ ኣፅዋር ንሓይልታት ምኽልካል ትግራይ ክተብጽሕ ክሊ ኣየር ኢትዮጲያ ጥሒሳ ንምእታው እንትትፍትን ወቂዐ ኣውዲቀ ዝብል ፕሮፖጋንዳ ኣብ ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ ንምክያድ መንጸፍ ንምጻፍ ዝተከፈተ ፕሮፖጋንዳ ከምዝኮነ ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ከምዚ ዝበሉ ፕሮፖጋንዳታት ብምንጻፍ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ ንምክያድ ይሸባሸብ ከምዘሎ ዝገለጸ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ማሕበረሰብ ዓለም መንግስቲ ኢትዮጲያ ሓሲብዎ ካብ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ካብ ዘካይዶ ደብዳብ ነፈርቲ ክቁጠብ ጸቅጢ ክገብር ከምዝግባእ ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ኣብ ዘውጾኦ መግለጺ ናብ ትግራይ ዝኣተወት ነፋሪት ከምዘየላን ከሙኡ እውን ዝተወቐዐት ሓሳባዊት ኣየር ከምዘየላን ኣፍሊጡ።

እዚ ፕሮፖጋንዳ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ክፍጽሞ ንዝሓስቦ ደብዳብ ነፈርቲ ምክንያት ካብ ምንጻፍ ብተወሳኪ ንህልውና ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ: ናይ ደገ ሓይልታት ፕሮጀክት ከምዝኾነ ጌርካ ንምስኣል ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ከምዝኾነ ሓቢሩ።