ሱዳን፡ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ዝወደቐት ነፋሪት ከምዘየላ ኣፍሊጣ።

ወሃቢ ቓል ሓይልታት ምክልኻል ሱዳን ብርጋዴር ጄኔራል ነቢል ኣብደላ ኣሕመድ፡ ብወገኑ ብሱዳን ሰማይ ዝሓለፈትን ዝወደቐት ነፋሪት ከምዘየላ ምስ ብሉምበርግ ብስልኪ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሱዳን እትገብሮም ምትንኻፍ ደው ክተብል እንተዘይኮይኑ ዝስዕብ መዘዝ ሓላፍነት ከም ትወስደሉ ክፍለጥ ኣለዎ ክብል ኣጠንቂቁ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሓንቲ ኣጽዋር ናብ ትግራይ ክተብጽሕ ዝፈተነት ነፋሪት ወቒዑ ከምዝውደቐ ትማሊ ነኒባዕሉ ዝጋራጮ ዜና ብማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣቃሊሑ እዩ።

ሓላፊ ወፍርታት ሰራዊት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ሜጀር ጀነራል ተስፋዬ አያሌው፡ እታ ነፋሪት ብሱዳን ከባቢ ሑመራ፡ ናብ ትግራይ ክትኣቱ ተወቒዓ ከም ዝወደቐት ምሕባሩ ይፍለጥ።

ብካልእ ገጽ፡ ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ ሬድዋ ሑሴን እታ ወዲቓ ዝተባህለት ነፋሪት ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ መቐለ ኣሉላ ኣባነጋ፡ ኣፅዋር ክተራግፍ ከላ ከምዝተወቐዐት እዩ ገሊፁ።

ኣምባሳደር ሱሌማን ዴደፎ ብወገኑ፡ እታ ነፋሪት ኣጽዋር ጺዒና ናብ ትግራይ እንትተምርሕ ኣብ ከባቢ ሸራሮ ከምዝተወቕዐት ብምግላፅ ነኒባዕሉ ዝገራጮ መልእኽቲ ምዝርጋሖም ይፍለጥ።

መንግስቲ ትግራይ፡ ‘ናብ ትግራይ ኣጽዋር ውግእ እተግዕዝ ነፋሪት ተወቒዓ ወዲቓ’ ዝብል፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ውጹእ ሕሶት ክብል ነጺጉዎ።

ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡“እዚ ጻዕዳ ሕሶት እዩ። ናብ ትግራይ ዝኣተወት ኮነ ዝተወቐዐት ነፋሪት የላን” ኢሉ።

እቲ ካብ መንግስቲ ትግራይ ዝወጽአ መግለጺ፡ ኣብ ትግራይ ብቐጻሊ ብኣልማሚት ደብዳብ ነፈርቲ ንምክያድ መመኽነይታ ይፈጥሩ ኣለዉ ክብል ዝኸስስ ኰይኑ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ተረዲኡ ተርኡ ክጻወት ተላብዩ ኣሎ።