ተሰናባቲት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕብራት ሃገራት ሚሼል ባችሌት ዳግም ዝተኸፈተ ኲናት ደው ክብል ጸዊዓ።

ተሰናባቲት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕብራት ሃገራት ሚሼል ባችሌት ዳግም ዝደገሰ ኲናት ትግራይ ከምዝተሓሳሰባ ገሊጻ።

እታ ተሰናባቲት ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕብራት ሃገራት ሰለማዊያን ሰባት እኹል መከራ ኣሕሊፎም እዮም። እቲ ተኸፊቱ ዘሎ ኲናት እዚ ስቃይ ዘጋድድ እዩ። ኩሎም ወገናት ተኹሲ ደው ክብል ክሰርሑ ከምዝግባእ ጸዊዓ።

ነበር ኮሚሽነር ሚሼል ባችሌት ኣብ ትግራይ ዝሞተ ህዝቢ ልዕሊ ኣብ ኲናት ዩክሬን ዝሞተ ከምዝኮነ ሙሁራት ክዛረቡ ይሰምዕ እየ። እንተኾነ ማሕበረሰብ ዓለም ንትግራይ ዝግባእ ትኹረት ከምዘይሃቦ ገሊጻ ነይራ።

ሚሼል ባችሌት፡ ቀጻሊ ረቡዕ ካብ መዝነታ ከምትወርድ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተዛረበት ኮይና ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ተማጎቲ ሰብኣዊ መሰላትን ንመንግስቲ ቻይና ምስ ኣተሓሕዛ ዊገርስ ኣመልኪቱ ዘይምውቃሳ ክነቅፍዋ ጸኒሖም እዮም።