ምንቕስቃስ ሓርነት ህዝቢ ወላይታ መንግስቲ ኢትዮጲያ መንገዲ ሰላም ተሓሲሙ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ከምዝኣወጀ ኣፍሊጡ።

ምንቕስቃስ ሓርነት ህዝቢ ወላይታ፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ መንገዲ ሰላም ተሓሲሙ፤ በይናዊ ተኲሲ ደው ምባል ጥሒሱ ብኣንፈት ደደቢትን ደቡብ ትግራይን ተኹሲ ብምክፋት ዳግም ወራር ኣብ ልዕሊ ትግራይ ምእዋጁ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቀረባ እዋን ሰብኣዊ ሓገዛት ብዝተወሰነ መጠን ምምሕያሾም መሰረታዊ ኣገልግሎት እውን ክጅመሩ ተስፋ ኣሕዲሩ ኔሩ እዩ ዝበለ እቲ ምንቅስቃስ እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጲያ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክጅመር ቃል ዝኣተዎ ክፍጽም ከምዘይከኣለ ገሊጹ።

እዚ ተግባር መንግስቲ ኢትዮጲያ እቲ ዘተ ሰላም ዝብሃል ዝነበረ ንኲናት ንምድላው ግዜ መግዝኢ ይጥቀመሉ ከምዝነበረ እኩል ምልክት እዩ ኢሉ።

ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጲያ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ መዕለቢ ከይረክብ ዕንቅፋት ከምዝኾነን ሓይልታት ኣምሓራ ኢ-ሕገመንግስታዊ ብዝኮነ ኣግባብ ምዕራብ ትግራይ ተቆጻጺሮም ከምዘለው ገሊጹ።

ሰብሃፍቲ ኣምሓራ ልሙዕ መሬት ወልቃይትን ጸገዴን ብሓይሊ ንምውሳድ ዝገብርዎ ዘለው ኲናት ከምዝኾነን ወራር ኣብይ ኣሕመድ እውን ንሰብ ሃፍቲን ፖለቲከኛታት ኣምሓራ ዘኣተወሎም ቃል ንምፍጻም ዝገበር ዘሎ እዩ ኢሉ።

ምንቕስቃስ ሓርነት ህዝቢ ወላይታ፡ መንእሰይ ወላይታ መሬት ትግራይ ንምግባጥ ኣብ ዝግበር ውግእ ዝኾነ ረብሓ የብሉን ዝበለ እንትኸውን ህዝቢ ወላይታ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ዝፀወዖ ኲናት ከይሳተፍ ጻዊዒት ኣቅሪቡ።