ሕቡራት ሃገራት ንትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ከምዝበለ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ጁዳሪክ፡ ካብ 24 ነሓሰ 2022 ጀሚሩ ንትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ከምዝበለ ገሊፁ።

ከምኡ እውን ናብ ትግራይ ዝግበሩ ዝነበሩ በረራታት ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት 25 ነሓሰ 2022 ጀሚሩ ከምዝተቋረፀ እቲ ወሃቢ ቃል ሓቢሩ።

መንቀሊኡ ድማ ብሰንኪ ከምብሓድሽ ዝደገሰ ኲናት ኢትዮ -ትግራይ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

እንተኾነ ግን ሑቡራት ሃገራትን መሻርኽቱን ህዱእ ኩነታት ፀጥታ ክሳብ ዘለዎ ከባቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ምብፃሕ ከምዝቕፅል ሓቢሩ።

ከምኡ እውን ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊ ኩሎም ተፃባእቲ ወገናት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ክባፃሕ ከፍቕዱ ፀዊዑ ኣሎ።

ብተወሳኺ ሕቡራት ሃገራትን መሻርክቱ ዝኾኑ ትካላትን ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ሕጂ እውን ኣብ ኣዚዩ ዘሰክፍ ደረጃ ከምዘሎ ገሊፁ።

ከምኡ እውን ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢ ደባርቅ፣ ደሴን ወልድያን ሰዓታት እቶ እቶ ከምዝተኣወጀን እዚ ድማ ንምንቅስቃስ ሰባት፣ ተበፃሕነት ኣገልግሎታት ህፁፅ እዋንን ንግዲ ትካላትን ከዝፀልዎ ኣረዲኡ።

ኢትዮጵያን መሻርኽታን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብሰንኪ ዝኣወጃኦ ኲናት ልዕሊ 6 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ተፀባዪ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝኾነ ይፍለጥ።