ኣሸንዳ ትግራይ ኣብ ሃገረ ዩጋንዳ ፡ ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን ኣብ ዝተረኸብሉ ብድሙቕ ኣገባብ ተባዒሉ።

ኣሸንዳ ትግራይ ኣብ ሃገረ ዩጋንዳ ከተማ ካምፓላ፡ ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን ኣብ ዝተረኸብሉ ብድሙቕ ኣገባብ ከምዝተኸበረ ኣዋሃሃድቲ እቲ በዓል ማሕበሃ ኮሚኒቲ ተጋሩ ዩጋንዳ ሓቢሮም።

ኣብቲ በዓል ነበርቲ ኬንያ ተጋሩ ሓዊሱ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዩጋንዳ ዝመፁ ተጋሩ እውን ከምዝተሳተፉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ከምኡ እውን ፈተውትን ኣድነቕትን ባህሊ ትግራይ ተዋላዶ ካልኦት ሃገራት ኣብቲ በዓል ዝተሳተፉ ኮይኖም ነቲ ባዕል ዘንፀባርቑ ትሕዝቶታት ስነ-ፅሑፍን ሙዚቃዊ ምርኢትን ከምዝቐረበ ተገሊፁ።

እዚ በዓል እንትኽበር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝተኣወጀ መንነታዊ ፅንተት ብኩለ መዳይ ብምምካት፣ ባህሊ፣ ክብርታትን መንነትን ትግራዋይነት ኣብ መላእ ዓለም ደሚቑ ንኽረአ ዝለዓለ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ማሕበር ኮሚኒቲ ተጋሩ ዩጋንዳ ኣብሪሆም።

ማሕበር ኮሚኒቲ ተጋሩ ዩጋንዳ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዘሳለጥዎ መድረኻት ንመኸተ ትግራይ ዝውዕል ዝተፈላለዩ ሓገዛት ከምዘበርከቱ ይዝከር።

ኣሸንዳ ትግራይ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ሃገራት ኣውሮፓ፣ ኣሜሪካን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምን ብዝነብሩ ተጋሩ ንመኸተ ትግራይ ብዘንፀባርቕ ኣገባብ ተዘኪሩ ከምዝወዓለ ዝፍለጥ እዩ።