ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ኲናት መላእ እቲ ዞባ ናብ ከቢድ ቅልውላው ዘእቱ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ኲናት እናነውሐ እንተኸይዱ ብሄር ተኮር ጽልኢ ክፈጥር ከም ዝኽእልን ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ሶማልን ካልኦት ከባቢታትን ዝተፈጸሙ ብሄር ተኮር ቅትለታት ኣብነት ከምዝኾኑ ማዕኸን ዜና ቢቢሲ ጸብጺቡ።

እቲ ጽልኢ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ካብ ምዃን ሓሊፉ ኣብ መንጎ ህዝቢ ይኸውን ከምዘሎን እዚ ድማ ሓደገኛን መላእ እቲ ዞባ ናብ ዓቢይ ቅልውላው ዘእቱን ከምዝኾነ ንወሃብቲ ሪኢት ብምፅራሕ ኣቃሊሑ።

ኣብ ትግራይ ካብ ዘሎ ኲናት ብተወሳኺ ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ኦሮሚያ፣ ህዝብታት ደቡብን ካልኦት ከባቢታትን ጎንጺ፣ ልዑል ቍጽሪ ምፍንቓል ሰባትን ዕንወት ትሕተ ቕርጽን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ይበጽሕ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ ትዋግኦ ዝነበረት ኣልሸባብ፡ ኣብ ክልል ሶማል ዞባታት ኣፍዴር፣ ሊበንን ሸበሌን ዝተፈላለዩ መጥቃዕቲ ከምዘካየደን ከምዝተቖፃፀረን ሓቢሩ።

ስለዝኾነ እውን ብምኽንያት እዚ ቅልውላው ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት እንተደኣ ተሰዲዶም ጎረባብቲ ሃገራት ነዞም ስደተኛታት ንምትእንጋድ ክኸብደን ከምዝኽእል ኣሚቱ።

ብፍላይ እቲ ሕጂ ዝጓሃሃር ዘሎ ኲናት መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን እታ ሃገር ናብ ካልእ መሰጋገሪ መድረኽ ከእትዋ ከምዝኽእልን ነቲ ዞባ ክህውኾ ከምዝኽእልን ይግለጽ ኣሎ።

ከምኡ እውን እቲ ቅልውላው ኲናት ንኢትዮጵያ ክብትና ድዩ ክእክባ ዘይፍለጥ ሓድሽ መድረኽ ከምዝኾንን ካልኦት ተዋጋእቲ ሓይልታት እውን ክፈጥር ከምዝኽእልን ተንተንቲ እቲ ዓውዲ የረድኡ።