ድሮናት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ደብዳብ ከምዘካየዳ ተገሊፁ።

ድሮናት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ከተማ መቐለ ደብዳብ ከምዘካየዳ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓቢሩ።

እቲ ደብዳብ ድሮን ድማ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ከምዝተኻየደን ኣስታት ሰለስተ ቡባታት ከምዝደርበያን ኣይተ ጌታቸው ኣብ ትዩተር ገፁ ፂሒፉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ህፃናት ሓዊሱ ሰለማውያን ሰባት ንምቕታል ዝከኣሎ ኩሉ ይገብር ከምዘሎ እውን ኣረዲኡ።

እንተኾነ ቁፅሪ ግዳያትን መጠን ኣብቲ ሆስፒታል ዝበፅሐ ዕንወትን ኣመልኪቱ ዝበሎ ነገር የለን።

ድምፂ ወያነ ትግራይ ንግዳያት ኣዘራሪቡ ከምዝፀብፀቦ፡ ለይቲ ሰብ ደቂሱ እናሃለወ እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት (ድሮን) እናተዘዋወረት ከምዝደብደበትን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ሓደጋ ከምዘብፀሐትን ናብ ሕክምና ንምኻድ ነዳዲ ብዘይምህላዉ ኣንቡላንስ ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ሓቢሩ።

እቲ ደብዳብ ሰለማውያን ሰባት ዕላማ ዝገበረ ደብዳብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ እውን ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ።

ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ገበናት ኲናት ንኽፍፅም ብድሕሪት ሓያሎ መሻርኽቲ ሃገራት ከምዘለዋኦ ይፍለጥ።

ብፍላይ ከም ቱርኪ፣ ዓረብ ኤምሬትስን ቻይናን ዝበላ ሃገራት ቴክኖሎጂ ድሮን ብምሕጋዝ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባትን ትካላትን ንዝበፅሕ ዘሎ ህልቂትን ዕንወትን ዝለዓለ ብፂሒት ከምዘለወን ይግለፅ።