ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ግፋ ተጋሩ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትማሊ ከምብሓድሽ ዝጀመረ ግፋ፣ ማእሰርትን ገዛገዛ ፍተሻን ተጋሩ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተገሊፁ።

ብፍላይ ትማሊ ኣብ ብርክት ዝበሉ ቦታታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተጋሩ ብሰንኪ መንነቶም እናተገፈፉ ፣ ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ እንዳተወሰዱ ከምዝወዓሉን እቲ ግፋ ይቕፅል ከምዘሎ ምንጭታትና ሓቢሮም።

ከምኡ እውን ተጋሩ ኣለውዎ ዝተብሃለ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መንገድታት ጥብቕ ዝበለ ሓለዋ ብምክያድ ብርክት ዝበለ ሰብ ተኣሲሩ ናብ መዳጎኒ ማእከል ኣዋሽ ኣርባ ከምዝተወሰደ ተገሊፁ።

ክሳብ ሐዚ እውን መራሕቲ ፖሎቲካዊ ውድባት፣ መራሕቲ ሃይማኖት ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ሰለማውያን ሰባት ተዳጒኖም ከምዘለው ይፍለጥ።

እቲ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሄር መሰረት ዝገበረ ማእሰርትን ግፋን ከምዘካይድ ዘሎን እዚ ድማ ምስ ኣብ እዋን ዉድቀት ደርጊ ዝነበረ ከምዝተኣሳሰር ካብ 1989 ክሳብ 1993 ዓ/ም/ፈ ኣብ ዩናይትድ ስቴት ሓላፊ ወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ዝነበረ ሃርማን ኮሆን ኣብ ቲዊተር ገፁ ምሕባሩ ይፍለጥ።

ካልኦት ዓለም ለኸ ሚዲያታት ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ኣካላት ተጋሩ ኣብ ኢዲስ ኣበባ ብመንነቶም ጥራይ ንኣደዳ ማእሰርትን ስቓይን ከምዝተሳጥሑ እንዳቀልዑ ምምፅኦም ይፍለጥ።