መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፅዋርን ሰራዊትን ኢትዮጵያ የጎዓዕዝ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣፅዋርን ሰራዊትን የጎዓዕዝ ከምዘሎ ተንታንን ንጉዳይ ዓለምለኸ በረራታት ዝከታተልን ገርጆን ኣቃሊዑ።

እቲ ትካል መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ከባቢታት ኣምሓራ ዘይተለመዱ ሚስጢራዊ በረራታት ከምዘካየደ ኣረዲኡ።

እቲ መገዲ ኣየር ትማሊ ጥራሕ ብቁፅሪ በረራ ET-AQPን ET-ALk ብድምር ሽዱሽተ በረራታት ከምዘካየደ ኣብሪሁ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰነዳት፣ስእልታትን መሰኻኽር ዓይኒን ፍልፍል ብምጥቃም መንግስቲ ኢትዮጵያ መሳርሒ ኲናት ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባ ኣስመራን ከምኡ እውን ምጽዋዕን ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ኣቢሉ የጎዓዕዝ ከምዝነበረ ማዕኸን ዜና ሲኤንኤን ኣቃሊሑ ነይሩ።

እዚ ተግባር መንግስቲ ኢትዮጲያ መሳርሒ ኲናት ብሲቪላዊ ነፈርቲ ምጉዕዓዝ ዝክልክል ዓለም ለካዊ ኣቭየሽን ሕጊ ዝጥሕስ ከምዝኾነ ድማ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ማዕኸን ዜና ኣብዘካየዶ ሰፊሕ ምርመራ ካብ መጀመርያ እቲ ኲናት ጀሚሩ መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ኣብ ምጉዕዓዝ መሳርሒ ኲናት ከምዝተሳተፈ ዘርእዩ ሰነዳትን ምስልታትን ጭብጢ ብምቕራብ ኣቃሊዑ እዩ።

ብመሰረት እቶም ሰነዳትን መሰካክር ዓይነን መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ጠያይቲ፣ ከበድትን ፎኮስቲ ብረታት፣ ታንክታትን ንወታደራዊ ኣገልግሎት ዝውዕላ መካይንን ዘጎዓዓዘ እንትኸውን ነዚ ተግባር ዝኮና ናይ ሰብን ጽዕነትን ነፈርቲ ከምዝተጠቐመ ምቅልሑ ይዝከር።