ኣስታት 200 ረዲኤት ፂዒኖም ናብ ትግራይ ክኸዱ ዝተበገሱ መራሕቲ መካይን ናብ ካልእ ወፍሪ ክኸዱ የገድድዎም ከምዘለው ተገሊፁ።

ኣስታት 200 ረዲኤትን ዘመናዊ ድኹዕን ፂዒኖም ናብ ትግራይ ክኸዱ ዝተበገሱ ተጋሩ መራሕቲ መካይን ካብ ፍተሻ ጣብያ ሰርዶ ናብ ሰመራ ኣገዲዶም ከምዝወሰድዎም ፍልፍላትና ሓቢሮም።

እተን ብትካል ምግቢ ዓለም ዝውነና መካይን መብዛሕቲኤን ዘበናዊ ድኹዕን ሙሩፅ ዘርእን ፂዒነን ካብ ወደብ ጂቡቲ ተበገሲን ናብ ትግራይ የምርሓ ከምዝነበራ ምንጭታትና ኣብሪሆም።

ቀፂሉ ኣብ ከተማ ሰመራ ድማ ናብ ካልእ ወፍሪ (ግዳጅ) ክትከዱ ኢኹም ብዝብል የገድድዎም ከምዘለውን ናበይ ከምዝወስድዎም ከምዘይፈልጡን ተገሊፁ።

ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ጁዳሪክ፡ ካብ 24 ነሓሰ 2022 ጀሚሩ ንትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ከምዝበለ ገሊፁ ነይሩ።

ከምኡ እውን ናብ ትግራይ ዝግበሩ ዝነበሩ በረራታት ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት 25 ነሓሰ 2022 ጀሚሩ ከምዝተቋረፀ እቲ ወሃቢ ቃል ሓቢሩ እዩ።

መንቀሊኡ ድማ ብሰንኪ ከምብሓድሽ ዝደገሰ ኲናት ኢትዮ -ትግራይ ከምዝኾነ ምግላፁ ይፍለጥ።

እንተኾነ ግን ሑቡራት ሃገራትን መሻርኽቱን ህዱእ ኩነታት ፀጥታ ክሳብ ዘለዎ ከባቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ምብፃሕ ከምዝቕፅል ሓቢሩ እዩ።

ኢትዮጵያን መሻርኽታን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብሰንኪ ዝኣወጃኦ ኲናት ልዕሊ 6 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ተፀባዪ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝኾነ ይፍለጥ።