መንግስቲ ሱዳን፡ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ማእኸል ስደተኛታት ሓምዳይት ስደተኛታት ክወጹ ጸዊዑ።

መንግስታት ኢትዮጲያን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኣወጅዎ ኲናት ስዒቡ ኣብ ዶብ ኢትዮጲያን ሱዳን ዝርከብ ማእኸል ስደተኛታት ሓምዳይት ዝነበሩ ሰብኣዊ ትካላት ውሃብቲ ሓገዝ ካብቲ ከባቢ ክወጹ መንግስቲ ሱዳን ሓቲቱ።

እዚ ጻዊዒት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ቀረባ እዋን ሱዳን፣ ኤርትራን፣ ኢትዮጲያ ኣብ ዘዳብቡ ከባብታት ዲማን ኩዲማን ውታደራዊ ውግእ ይካይድ ምህላው ሲዒቡ ከምዝኾነ ሱዳን ትሪቡን ጸብጺቡ።

ካብዚ ብተወሳኪ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ከባቢ ሓምዳይትን ኩዲማን ሰራዊቱ ዘስፈረ እንትኸውን ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰለማዊያን ሰባት ካብቲ ከባቢ ንምውጻእ መደብ ከምዘለዎ እውን ተፈሊጡ።

ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጲያን መሻርኽቱ መንግስቲ ኤርትራን ሰራዊት ትግራይ ዝግበር ዘሎ ኲናት እናበርተዐ ኣብ ዝመጸሉ ኣብዚ ሐዚ እውን ሓለፍቲ ጸጥታ ሱዳን ኣብ ሓምዳይት ዝርከቡ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ኩሎም ካብቲ ጣብያ ክወጹ ጸዊዖም ኣለው።