ብውሑዳት ነጋዶ ዝግናሕ ልዑል ናህሪ ዋጋ ኣእኻል ዓቕሚ ምዕዳግ ሕብረተሰብ ከምዘዳኸሞ ነበርቲ ከተማ መቐለ ገሊፆም።

ጣፍ ንምዕዳግ ናብ ዕዳጋ ቀዳማይ ወያነ ዘምረሐት ወይዘሮ ሄለን ገብረሂወት “ድሕሪ ጥቅምቲ ናብዚ ዕዳጋ
ስለዘይመፃኹ ጣፍ በዚ ደረጃ ብክልተ ዕፅፊ ምውሳኹ” ከምዘተሓሳሰባ ትገልፅ።

ሓደ ንልዕሊ 8 ዓመታት ብንግዲ ዝመሓደር ስሙ ክጠቅስ ዘይደለየ ነጋዳይ ጣፍ ቀዳማይ ወያነ ብወገኑ “ጣፍ እኮ 20 ሽሕ
እዩ በፂሑ ኔሩ ሎሚ ዝተወሰነ ቀኒሱ እዩ” ብምባል ይገልፅ።

ገለገሊኦም ቀረባት እቲ ነጋዳይ “ህይወቱን ገንዘቡን ሓዊሱ ልዑል ሓደጋ ተጋፊጡ ዘምፀኦም ስለዝኾነ ምስቲ ብመኪና
ነዳዲ ንሊትሮ ክሳብ 400 ብር ገዚኡ ዘምፀኦስ ክኸብር ባህርያዊ እዩ” ይብል።

ዘይምምጥጣን ቀረብን ጠለብን ዕዳጋ ንምኽባር ሓደ ምኽንያት ምዃኑ እውን እቲ ነጋዳይ ጠቒሱ።

ወይዘሮ ሄለን ግና እቶም ነጋዶ ነቲ ናህሪ ዕዳጋ ከምምኽንያት ዝገልፅዎ ነገር ከምዘሕዘና ተዛሪባ።

“ጣፍ ብበዝሒ ኣብ ዕዳጋ እናሃለወ ቀረብን ዓዳጋይን ኣይተመጣጠነን” ዝብል መመኽነይታ ቅቡል ከምዘይኮነ ዝጠቐሰት ሄለን “ነዚ ኲናት ከም መሀፍተሚ መንገዲ ጌሮም ዝወስዱ ፀገም ህዝቦም ዘየጨንቖም ነጋዶ ስለዘለው እዩ” ትብል። “ኣነ ነጋዳይ እንተኾንኩ ኩሎም ቤተሰበይ ዓደግቲ ምዃኖም ስለዝፈልጥ እዚ ነገር የሕመኒ ግን ካብ ሃገራ ‘ያ ዝነወሐት ምሸላስ… ከምዝበሃል ከይኸውን ካብቲ ንግዲ ከየውፅኡኒ ስለዝሰግእ እየ።”

እዚ ኣብ ስራሕቲ ንግዱ ኣሉታዊ ፅልዋ ከየስዕበሉ ብምስጋእ ስሙ ክጠቅስ ዘይደለየ ነጋዳይ እውን ገለ ነጋዶ “ሓደ ግዜ ቀረብ የለን ዝብል ምኽንያት ምስረኸቡ ካብ ውሽጢ ትግራይ ዘምፅእዎ ኣእኻል እውን ልክዕ ከምቲ ብኻሊእ መንገዲ ብልዑል ዋጋ ክሸጡ” ምዕዛቡ ሓቢሩ።

“እዚ እንትብለካ ብውሱን ትርፊ ህዝቢ ምግልጋል እዩ ዝዓብየኒ ዝብል ነጋዳይ የለን ማለተይ ኣይኮንኩን” ዝበለ እዚ ነጋዳይ “ግን በቲ ነዛ ግዜ ተጠቒሙ ዝገበረ ገይሩ ሃፍቱ ክብ ከብል ዝፅዕር ነጋዳይ እዩ ዝወሓጥ”።
“ጣፍ ብበዝሒ ምስኣተወ ከማይ ጣፍ ምስ ዝነግዱ ሰባት ካብ ሓንቲ ኩንታል ካብ 100-200 ቅርሺ እንተረኺብናላ ይኣኽለና እቲ ሕብረሰተብ ልዕሊ እዚ ክፃወር ኣይኽእልን” ኢሉ ከምዘውገዖም ዝገለፀ እዚ ነጋዳይ “ብኽንደይ ፃዕሪ ዝመፀ ስለዝኾነ ዋጋ ረሃፅና ክንረክብ ካብ 15 ሽሕ ክትወርድ የብላን” ዝብል ምላሽ ከምዝሃብዎ ጠቒሱ።

“ኣነ ነጋዳይ እንተኾንኩ ኩሎም ቤተሰበይ ዓደግቲ ምዃኖም ስለዝፈልጥ እዚ ነገር የሕመኒ ግን ካብ ሃገራ ያ ዝነወሐት ምሸላስ… ከምዝበሃል ከይኸውን ካብቲ ንግዲ ከየውፅኡኒ ስለዝሰግእ እየ” ብምባል ምስቶም ነጋዶ ብሓባር ካብ ምስራሕ ወፃኢ ዛጊድ ሕሊንኡ ዝኣምነሉ ነገር ክገብር ዘይምኽኣሉ ተዛሪቡ።

“ሎሚ ዓርሰይ ክኢለ ከምዚ ክገብር እየ ትብለሉ ኩነታት ንግዲ ስለዘየለ ምስቶም ደላሎ ኣእኻልን ካልኦትን ምትእስሳር ጌርካ ስለዝስራሕ ንኹሉ ኣረዲእኻ ከምዚ ንግበር ምባል ቢዝነስካ ኣብ ሓደጋ ምእታው” ከምዝኾነ እዚ ነጋዳይ ጠቒሱ።

“ኣብ ውሽጢ ትግራይ እውን ዝዋግኡና ኣካላት ከይህልው ይሰግእ እየ” ወይዘሮ ሄለን ገብረሂወት፡ ዋጋ ጣፍ ካብቲ ቅድሚ ሐዚ ዝገዘአትሉ ዋጋ ብልዕሊ 200% ስለዝወሰኸ እኹል ገንዘብ ስለዘይብላ ስርናይ ክትገዝእ ሽዑ ንሽዑ ሓሳብ ዝቐየረት ኣዶ ሰለስተ ቆልዑ ወይዘሮ ሄለን ገብረሂወት ሐዚ እውን ተመሳሳሊ ነገር ገጢምዋ።

ዋጋ ስርናይ እውን 10 ሽሕ ብር ከምዝበፀሐ ዝገለፀት ወይዘሮ ሄለን “እቲ ሕብረተሰብ ይብፃሓዮ ኣይብፃሓዮ ረዲኤት ተዋሂቡ እናተብሃለ ኣብ ምርግጋዕ ዕዳጋ ዝልውጦ ነገር እንተዘይሃልዩ ቀረብን ዓዳጋይን ዘይምምጥጣን ኢልካ ብቐሊሉ ክሕለፍ ዝግበኦ ኣይኮነን” ትብል።

ያበለ ሚድያ እውን ኣብ ከተማ መቐለ ስርናይ ንሓደ ኩንታል ካብ 9,500-10,000 ይሽየጥ ምህልው ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ኣብ ዕዳጋ ፊኖ ዝረኸብናዮ ኣይተ ዓብቃድር ኣሕመድ ብወገኑ “ኣብ ፊኖ እቲ ልሙድ እንካሃባ ዝፈጥሮ ዋጋ ዕዳጋ
እንተይኮነስ እቲ ነጋዳይ ባዕሉ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ወሲኹ እናተመነ ስለዝሸይጥ እዩ ዝመስለኒ” ክብል ይገልፅ።

“እቲ ዕዳጋ እንትውስኽ እምበር እንትንኪ ኣይረኣኹን” ዝበለ ኣይተ ዓብቃድር “ኣብ ጣፍ ይኹን ፊኖ ቀረብ እናሃለወ እሞ ኸዓ ብሰንኪ ዕፅዋ ዝገዝእ ሰብ ካብ እዋን ናብ እዋን እናነከየ በዚ ብርኪ ከቢሩ ምርኣይ ካሊእ ሕቶ ዘልዕል እዩ” ኢሉ።

ሓንቲ ሽማ ክጥቀስ ዘይደለየት ነጋዲት ፊኖ ብወገና “ሰብ ንምንታይ እዩ ስርናይ ክንድዚ ከቢሩ ኢሉ ከይሓተተ ናባና መፂኡ ፊኖ ብምኽባሩ ዘማርር” ክትብል ትሓትት።

ይኹን እምበር “ንሕና ንባዕልና ስርናይ ካብቶም ነጋዶ ገዚእና ስለንጥቀም ካልኦት ወፃኢታት እውን ስለዘለውና ዋጋ ፊኖ ሎሚ ካብ 13,000-14,000 ኮይኑ ኣሎ ግን ንሕና ንቕይሮ ኣይኮነን” ትብል።

ኣብ መላእ ትግራይ ብምፍታሽ “ንፊኖ ዝውዕል ስርናይ ብዝሓሸ ዋጋ ታሕተዎት ነጋዶ ከቕርቡልና ንገብር ስለዝነበርና ዓሚ ፊኖ ዳሕና ኔሩ” ዝበለት እዛ ነጋዲት “ሎሚ ግና እቶም ታሕተዎት ነጋዶ ዝገብርዎ ካብ ወረዳ ናብ ወረዳ ንግዲ እኽሊ ዝኽልክል ሕጊ ኮማንድ ፖስት ካብ ዝወፅእ ንደሓር ንሕና እውን ካብቶም ንግዲ ከምድሌቶም ዝቆፃፀሩ ዘለው ዓበይቲ ነጋዶ ክንዕድግ ተገዲድና” ብምባል ገሊፃ።

እቶም ርኢቶ ወሃብቲ እቲ ልዑል ናህሪ ዋጋ ገኒኑ ዝተርኣየ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዋጋ ዝትምን ሕጊ ኣውፂኡ ክትግብር ምስ ፀዓረ ስዒቡ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ማስተርስ ዲግሪ ትምህርቱ ኣብ ቀረብን ኩነታትን ዕዳጋ ብዘካየዶ መፅናዕቲ ቅድሚ 4 ዓመት ዝዛዘመ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ምሁር “ኣብዚ ዝውውር ገንዘብ ዝገደበ ዘይንቡር ኩነታት ዕፅዋ ቀረብ ኣእኻል ምህላው ንባዕሉ ከም ኣወንታ ክውሰድ ዝገበኦ” ከምዝኾነ ጠቒሱ።

ይኹን እምበር “እቲ ቀረብ ኣእኻል በብግዚኡ ዋላ ኣፈላላያት ይሃልዎ ኣብ ዕዳጋ እናሃለወ በቲ ንቡር ብበዝሒ ክመፅእ ከሎ ምንካይ ዋጋ ከርኢ እናተገበኦ ዝበዝሕ እንተርኢኻ ዝውስኽ ወይ ኣብ ዝነበሮ ዋጋ ዕዳጋ እዩ ዝቕፅል ዘሎ” ክብል ይሕብር።

ስለዚ “ቀረብን ጠለብን ተባሂሉ ዝለዓል ምኽንያት ብውሱን መልክዑ ትኽክለኛ ክኸውን ይኽእል እዩ” ዝበለ እዚ ምሁር “ግን ከዓ ኩሉ ግዜ እዚ ከምምኽንያት ተጌሩ ክውሰድ ዝኽእል ኣብ ዕዳጋ በዝሒ ቀረብ ዘለዎም ኣእኻል ክንክዩ በዝሒ ቀረብ ዘይብሎም ከዓ እንትኸብሩ እዩ” ኢሉ።

እቲ “ሐዚ ንዕዘቦ ዘለና ኩነታት ናህሪ ዋጋ ልዕሊ እቲ ዘይምምጥጣን ቀረብን ጠለብን ተባሂሉ ዝቕመጥ መመኽነይታ” ከምዝኾነ ይገልፅ።

እቲ ዕፅዋ ብዝተናወሐ ቁፅሪ ዓቕሚ ምዕዳግ ሕብረተሰብ እናነከየ ስለዝኸይድ “ቀረብ እናሃለወ ጠለብ ኣብ ዝንክየሉ ኩነታት እቲ ዋጋ ግን በቲ ዝነበሮ ይቕፅል ወይ ይውስኽ እዩ ዘሎ” ይብል።

ብፍላይ መንግስቲ “ተመን ዋጋ ኣውፂኡ ዕዳጋ ንምህዳእ ካብ ዝፅዕር ንደሓር እቲ ወሰኽ ክሳብ ክልተ ዕፅፊ እቲ ቀዲሙ ዝነበረ መግዝኢ ዋጋ እዩ ኮይኑ” ብምባል ይሕብር።

“ዋጋ ጣፍ እንተርኢና ክሳብ 9000 ብር ይሽየጥ ኣብ ዝነበረሉ እዋን መንግስቲ 7500 ብር ኢሉ ምስተመነ ሽዑ ንሽዑ ኣብ መኽዚን ዝነበረ ብምሕባእን ካልኦት መንገድታትን ብምጥቃም ክሳብ 20 ሽሕ ዝበፅሕ ምልጣጥ ዋጋ ኣርእዩ” ክብል ከምኣብነት ኣልዒሉ።

እዚ ምሁር “እቲ መንግስቲ ክትብሮ ዘውፀኦ ተመን ዕዳጋ ስርዓት ቁፅፅር ዘይብሉን ጭቡጥ ኩነታት ዘየገናዘበን ስለዝኾነ ዳጋ ንምህዳእ ከይኮነስ እቶም ነጋዶ ዕዳጋ ንምብሓት እዩ ኣኽኢሉዎም” ይብል።

ብተወሳኺ “ብዝተፈላለየ ምኽንያታት እቲ ታሕተዋይ ነጋዳይ ካብ ዕዳጋ እናወፀ ዝውውር ዕዳጋ ብውሑዳት ላዕለዎት ነጋዶ ይበሓት ስለዘሎ እቶም ነጋዶ ብቐሊሉ ተዘራሪቦም ክሰርሑ ስለዝኸኣሉ ዕዳጋ ክቆፃፀሩ ጌሩዎም” ዝብል ሓሳብ ኣለዎ እዚ ምሁር ስነ-ዕዳጋ።

እዚ በብእዋኑ ዝጋደድ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ኣመልኪታ “ዕዳጋ ዝፈጠሮ ዘይኮነስ ውሑዳት ብፀበባ ህዝቢ ክኸስቡ ዝዓለሙ ዝፈጠርዎ” ከምዝኾነ ዝገለፀት ወይዘሮ ሄለን ገብረሂወት “ኣብ ውሽጢ ትግራይ እውን ዝዋግኡና ኣካላት ከይህልው ይሰግእ እየ” ትብል።

እቲ ምሁር ስነ-ዕዳጋ መፍትሒ ኢሉ ዝገለፆ ነጥቢ “ኣብ ነጋዶ እዚ እዋን ዝንገዶ ከይኮነስ ህይወት ነፍሲወከፍ ትግራዋይ ካብ ፅንተት ንምውሓስ ኣብ ልዑል ፃዕሪ ንርከበሉ ግዜ ስለዝኾነ ስምዒት ሓላፍነታዊ ንግዲ ክህሉ ይግባእ” ኢሉ።

“መንግስቲ ዕዳጋ ንምርግጋዕ ጣልቃ ክኣቱን ከይኣቱን ህልው ኩነታት ዘገናዘበ መፅናዕቲ ብምክያድ ዝወፁ ሕግታት ኣወንታዊን ኣሉታዊን ጎኖም ብምርኣይን ክኸውን” ከምዝግበኦ ተዛሪቡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ስራሕቲ ንግዲ ኣብ ኢድ ቁፅፅር ውሑዳት ከይኣቱ ንታሕተዎት ነጋዶ ምችው ኩነታት ምፍጣር ከምዘድሊ እቲ ምሁር ሓቢሩ።

ያበለ ሚድያ ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ካብ መንግስታዊ ኣካላት ብፍላይ ካብ ቢሮ ንግድን ኢንዳስትሪን ትግራይ መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይሰመረሉን።