ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ሙሩኻት ሰራዊት ትግራይ ኢሉ ዘቕረቦም ካብ መዳጎኒ ማእኸላት ዝኣከቦም ተጋሩ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ሙሩኻት ሰራዊት ትግራይ ኢሉ ብዝተፈላለያ ማዕኸናት ዜናታቱ ዘቕረቦም ካብ መዳጎኒ ማእኸላት ዝኣከቦም ሰለማውያን ተጋሩ ከምዝኾኑ ፍልፍላትና ኣረጋጊፆም።

ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዝተፈላለየ ግምባራት ምስ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ማሪኸዮም ኢሉ ዘቕረቦም ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ተገፊፎም ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ዝነበሩ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

መብዛሕቲኦም ድማ ካብ ምዕራብ ትግራይ፣ መዳጎኒ ማእኸል ሃይቅ፣ ኣዋሽ ኣርባን ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያን ተዳጒኖም ዝነበሩ ክኾኑ ከለው ከም ሙሩኻት ኮይኖም ክቐርቡ ብሓይሊ ብስርዓት ኢትዮጵያ ከምዝተገደዱ ተፈሊጡ።

ከምኡ እውን ገለ ካብቶም ቅድሚት ኮይኖም ዝተዛረቡ ድማ ኣባላት ብልፅግና ኮይኖም ኣብ ትግራይ ዝሰርሑ ዝነበሩን ሰራዊት ትግራይ መቐለ ምስተቖፃፀረ ሃዲሞም ዝወፁ ከምዘለውን እቶም ፍልፍላት ኣረጋጊፆም።

ኣብ ግምባር በዝሒ ብሰራዊት ትግራይ ዝተማረኹ ወተሃደራትን ዝበፅሖ ስዕረትን ዘሰምበዶ ስርዓት ኢትዮጵያ ማእለያ ዘይብሎም ሰለማውያን ተጋሩ ብምግፋፍ ግዳይ ፕሮፖጋንዳ ብምግባር ስራሕ ዓቕሊ ፅበት ከምዘካይድ ይፍለጥ።