ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕብራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ትግራይ ንምዝታይ ንሎሚ ሓሙስ ሒዝዎ ዝነበረ ቆፀሮ ከምዝተናወሖ ተፈሊጡ።

ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕብራት ሃገራት ኲናት ትግራይ ብሓዱሽ መልክዕ ምቕጻሉ ስዒቡ ንሎማዓንቲ ከካይዶ ሒዝዎ ዝነበረ ዋዕላ ኣብ መንጎ ኣባላት እቲ ባይቶ ብዝተፈጠረ ዘይምስምማዕ ከምዝተናወሐ ዲፕሎማሲኛታት ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመንግስታት ኣሜርካ፣ ኢንግሊዝ፣ ፈረንሳይ፣ ኖርወይ፣ ኣየርላንድን ኣልባኒያን ተጸዊዑ ዝነበረ እዚ ዋዕላ፡ ብዕጽው ዶ ብዕሊ ይገብር ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣባላት እቲ ባይቶ ኣብ ክልተ ብምግማዖም ንቐጻሊ ሰሙን ከምዝተናወሐ ዝወጹ ሓበሬታት የመላኽቱ።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕብራት ሃገራት ጉዳይ ትግራይ ዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዕጽውን ብዕልን ዝተፈላለዩ ኣኼባታት ዘሳለጠ ኮይኑ ኣብ ቀረባ እዋን ግን ጉዳይ ትግራይ ካብ ዕለታዊ ዛዕባ እቲ ባይቶ ክወጽእ ተገይሩ ምጽንሑ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኢትዮጲያን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ትግራይ መጠነ ሰፊሕ ወራር ምቕጻሎም ስዒቡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕብራት ሃገራት ክሳብ ሐዚ ዝበሎ ነገር የለን።