ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከይወጸ ዘተ ሰላም ንምክያድ ከምዘይሕሰብ ዳሬክተር “ዎርድል ፒስ ፋውንደሽን” ኣሌክስ ደዋል ገሊጹ።

ዳሬክተር “ዎርድል ፒስ ፋውንደሽን” ኣሌክስ ደዋል ምስ ትግራይ ቴሊቭዥን ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት፡ ሰራዊትን መንግስቲ ኤርትራን ካብ መሬት ትግራይን ፖለቲካ ኢትዮጲያን መሊኡ ከይወጸ ዘተ ሰላም ክህልው እዩ ኢልካ ከምዘይሕሰብ ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ዘተ ሰላም ከም ግዚያዊ ስልቲ እምበር ዘላቒ ፍታሕ ንምምጻእ ድሌት የብሉን ዝብለ ኣሌክስ ደዋል፡ ድሌት እንተሃለዎ እውን ብዘይ ፍቃድ መንግስቲ ኤርትራ ሰላም ክመጽእ ከምዘይኽእል ገሊጹ።

መንግስቲ ኤርትራ ብተግባር ኣብ ልዕሊ እቲ ኲናት ብዘተ ሰላም ኣብ ምፍታሕ ምውሳን ድምጺ ብድምጺ ውድቂ ናይ ምግባር  ስልጣን ከምዘለዎ ዝሓበረ ኣሌክስ ደዋል እዚ  ተግባራዊ ስልጣን እዚ ከይተመንጠለ ኲናት ትግራይ ከምዘይፍታሕን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ብምውላዕ ድማ ማዕረ ተሓታትነት ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ኣብቲ ብሓዱሽ መልክዕ ዝቀጸለ ወራር፡ ትግራይ ብምጥፋእን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንኢትዮጲያ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሩ ብምእታውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ወሳናይ ንምዃን ከምዝኾነ ንትግራይ ቴሊቭዥን ተዛሪቡ።

ኲናት ትግራይ ከብቅዕን ብሰላም ክፍታሕን ሰራዊትን መንግስትን ኤርትራ ብዝተረጋገጸ ኣግባብ መሊኦም ካብ ትግራይ ክወጹን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝነበረ ክባን ዕጽዋን ከብቅዕ ከምዝግባእ ጸዊዑ።