ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ትግራይን ትግራዋይነትን ንምጥፋእ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ከምዘካየዱ ፕሮፌሰር መድሃኔ ታደሰ ገሊፁ።

ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ወራር ዘካየዳሉ ምኽንያት ትግራይን ትግራዋይነትን ንምጥፋእ ከምዝኾነ ተንታኒ ጂኦ-ፖሎቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፕሮፌሰር መድሃኔ ታደሰ ሓቢሩ።

ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተሻሪኾም ኣብ ልዕሊ ውሑድ ቁፅሪ ዘለዎ ብሄረ ትግራይ ወራር ከምዘካየዱ ፕሮፌሰር መድሃኔ ኣብ ትዩተር ገፁ ፂሒፉ።

ብምዃኑ እውን እዚ ወራር ትግራይ ትግራዋይነትን ንምጥፋእ ዝዓለመ ስለዝኾነ ተጋሩ ነዚ ሓደጋ ንምክልኻል ብዘይምርጫኦም ማለት ከይፈተው ህልውናኦም ንምውሓስ ክብሉ ይዋግኡ ከምዘለው ኣረዲኡ።

ስርዓታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ካብ ዝእውጁ ልዕሊ ክልተ ዘቕፀረ ክኾኑ ከለው ኣማኢት ኣሽሓት ሰለማውያን ሰባት ግዳይ ኮይኖም፣ ንብረት ዓንዩን ተዘሚቱን እዩ።

ሕጂ ዳግማይ ኣብ ዝደገሰ ኲናት ድማ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዞባ ምብራቕ ጥራሕ ካብ ከባቢ መዛብር ዳሞ ክሳብ ኢሮብ ደውሃን፣ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ሸራሮን መዋስንቲ ከባብታትን ሰፊሕ ደብዳብ ከቢድ ብረት ኣካይዱ እዩ።

ከምኡ እውን እቲ ደብዳብ ናብ ከተማ ዓዲግራትን ኣብ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ከባቢ ጣብያ ሰሱን ቤት ሃወርያትን ብዘካየዶ ደብዳብ 5 ቀቲሉ ልዕሊ 14 ሰላማውያን ሰባት ከምዘቑሰለ ዝፍለጥ እዩ።