ረብሓ ትግራይ ንምውሓስ ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ዝተደረኸ ንፅረት ምፍጣር ከምዘድሊ ተገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ጀኖሳይድ ብቕልፅምና ብዝብል ጭርሖ ጥራሕ ክፍታሕ ከምዘይኽእል ዝገለፁ ወሃብቲ ርኢቶ ትግራይ ብዘላቕነት ንምውሓስ ሓበራዊ ምርድዳእ ረብሓ ከምዘድሊ ጠቒሶም።

ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ፅንተታዊ ወራር ህልውንኡ ንምውሓስ ብቕልፅሙ ምውስኡ ዓርሱ ካብ ህልቀት ንምውሓስ ከምዘኽእል ዝገለፀ ኣይተ ገብረየሱስ ረዳ ይኹን እምበር “ዕምቆት እቲ ናብዚ ፅንተት ዘውረደና ፀገም ምርዳእ እንተዘይተኻኢሉ ዘላቒ መፍትሒ ንምምፃእ ከምዝኸብድ” ሓቢሩ።

ትግራይ ክልተ ግዜ ዝተርኣየትሉ ኣብ ዘሕንኽ ምዕራፍ ታሪኽ ከምትርከብ ዝጠቐሰ ኣይተ ገብረየሱስ ረዳ “ጎብለል ስልጣነ ዓለም ዝነበረ ህዝቢ ናይ ዓለም ጭራ ኮይኑ ኣሎ ሐዚ” ክብል ትግራይ ንዘመናት ኣብ ዕንክሊል ውድቀትን ድኽነትን ምህላዋ ተዛሪቡ።

ትግራይ ሐዚ ዝገጠማ ፈተና ሃላዋት “ንልዕሊ 1100 ዓመታት እናተዋህለለ ዝመፀ ውድቀት እምበር ሓዱሽ ስለዘይኮነ ሎሚ እቲ ፀገም ናብ ዝኾነ ኣካል ኣላጊብካ ምውቃስ ኣካል እቲ ዕንክሊል” ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ትግራይ ሐዚ ገጢሙዋ ዘሎ ፈተና ብፖለቲካ ጥራሕ ክፍታሕ ከምዘይኽእል ዝሓበረ ኣይተ ዓወት መለስ ብወገኑ “ማሕበረሰብ፣ ምሁራት፣ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ብምክብባር ዘትዮምን ተኻቲዖምን ረብሓ ትግራይ ክንፅሩ” ከምዝግባእ ኣረዲኡ።

ትግራይ ዘለውዋ ዓቕምታት ተጠቒማ ቅደም ሰዓብ ዝተቐመጠሉ ኣሳታፋይ ከይዲ ምንፃር ረብሓ ክተካይድ ከምዝግባኣ ዝጠቐሰ ኣይተ ዓወት እቲ ዝተነፀረ ረብሓ በየናይ መንገዲ ክዕወት ከምዝግባእ ብስኽነት ብምፍታሽ “ልክዕ ከምቲ ካብ ዘይምህላው ናብ ምህላው ንምስግጋር ህዝቢ ትግራይ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኩሉነገር ዝገብር ዘሎ ንቐፃሊ ናብ ዕንክሊል ንኸይንምለስ ረብሓ ትግራይ ንኸሳኽዕ ከዓ ዓቕሙ ኣዋዲዱ ክሰርሕ” ከምዘለዎ ተዛሪቡ።

ኣይተ ገብረየሱስ ረዳ ድማ “ሐዚ ብህይወት ዘለና ተጋሩ ንመንነታዊ ህላወና ምቅላስ ጥራሕ ከይኮነስ መንነታዊ ክብርታት ትግራይ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንምስግጋር ክንሰርሕ” ከምዝግባእ ይገልፅ።

“ንምንታይ ናብዚ ብርኪ ውድቀት ወሪድና?” ዝብል ሕቶ ብመፅናዕቲ ታሪኽን ህልው ኩነታትን ምምላስ ከምዘድሊ ዝጠቐሰ ኣይተ ገብረየሱስ “ህዝቢ ከምህዝቢ ኣብ ጭቃ ወዲቕና ማንም እዙይ ዝበሃል ታሪኽ ዘይብሎም ዝረግፅዎ ዘበሳብስዎ ዝጭቁንዎ ዝጭፍጭፍዎ ጀኖሳይድ ዝፍፀምሉ ንምንታይ ኮይኑ” ዝብል ምሕታት ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሩ።

ንኸምዚ ዓይነት ፅንተት ዝተቓለዐ ሕብረተሰብ መፃኢ ህላውኡ ሓደ ኣካል ክውስኖ ምፍቃድ እቲ ፅንተትን ዕንክሊል ውድቀትን ትግራይ ክቕፅል ምፍቃድ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ወሃብቲ ርኢቶ እዚ እዋን ትግራይ ዘለውዋ ኩሎም ዓቕምታት ተጠቒማ ሓሳብ ኣተኣኻኺባ ዘላቒ ህላወኣ ንምውሓስ ትእምተሉ ክኸውን ከምዝግበኦ ገሊፆም።

ኣይተ ዓወት መለስ ካብቲ ዝተለመደ ሓደ ዓይነት ሓሳብ ሒዝካ ምጉዓዝ ብምውፃእ “ኣሳታፋይ መስርሕ ከይዲ ምንፃር ረብሓታት ትግራይ ብምስላጥ ዓቕምታት ትግራይ ነዚ ረብሓ ናብ ዘዐውት ኣንፈት ክእከብ” ምስራሕ ከምዘድሊ ተዛሪቡ።

መንነታዊ ዘላቕነት ህዝቢ ትግራይ ቀዳምነት ዝወሃቦ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ርኢቶ ወሃብቲ ጎናጎኒ እቲ ትግራይ ዓርሳ ንምክልኻል ዝሃነፀቶ ወተሃደራዊ ምዕባለታት ብሓሳባዊ ክትዓት ዝተነፀረ ኣንፈት ቀፃሊ ጉዕዞ ክህልዋ ከምዝግባእ ይሕብሩ።

ድሕሪ ምርግጋፅ ህልውና “ህዝቢ ትግራይ ካብ ውድቀቱ ተሲኡ ናብቲ ብታሪኽ ዝነበሮ ብራኸ ፖለቲካዊ፣ ወተሃደራዊ፣ ቁጠባዊን ዲፕሎማሲያዊን ልዕልና ክምለስ ምዕላም” እቲ ካልኣይ ረብሓ ክኸውን ከምዝኽእል ኣይተ ገብረየሱስ ረዳ ጠቒሱ።

ብኣገላልፃ ኣይተ ገብረየሱስ እቲ ሳልሳይ ረብሓ “ልምዓት፣ ዴሞክራሲን ሰላምን ዝሰፈና ደቁ ከምህር ከልምዕ ከዕቢ ዝኽእለላ ዓዲ ውሑስ ጌሩ ምሓዝ” ምዃኑ ዝገለፀ ኣይተ ገብረየሱስ “ከመይ ጌርካ ይመፅእ ዝብል ንዓይ ስትራቴጂ እዩ” ኢሉ።

ኣይተ ዓወት መለስ ብወገኑ “ወተሃደራውን ቁጠባዊን ዓቕሚ ትግራይ ብምድልዳል መንነታዊ ክብርታት ትግራይ ብዘላቕነት ንምዕቃብ ዘኽእል ዓቕሚ ንምህናፅ ዘኽእል ባይታ” ምምችቻው ከምዘድሊ ገሊፁ።
ኣብ ወተሃደራዊ ዓወታት ዝተደረኸ ህልውና ብዘላቒነት ንትግራይ ከውሕስ ዝኽእል ብሓሳባዊ ብልጫታት ክድገፍ እንተተኻኢሉ ስለዝኾነ ኣሳታፋይ መስርሕ ምእንፋት ቀፃሊ ጉዕዞ ክስረሐሉ ከምዝግባእ እቶም ወሃብቲ ርኢቶ ተዛሪቦም።

ከምዚ ዓይነት ከይዲ ንፅረት ሕብረተሰባዊ ኣንፈት ቀፃሊ ጉዕዞ ድማ ብተሳትፎ ፖለቲካዊን ሲቪላውን ውዳበታት፣ ምሁራትን ወከልቲ ማሕበረሰብን ብዝካየድ ሰፊሕ መድረኽ ልዝብን ምይይጥን ክኸውን ከምዝግበኦ ሓቢሮም።