ውሳነ መንግስቲ ትግራይ ፍሉይ ዕድል ከምዝፈጥር ሙሳ ፋቂ ገሊጹ።

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ማህማት መንግስቲ ትግራይ ዘቅረቦ ጻዊዒት ሰላምን ብሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝምራሕ ዘተ ሰላም ክሳተፍ ምስምዕሙዑን ንኢዱ።

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ እዚ ምዕባለ ብኣወንታ ከምዝርእዮ ዝገከለጸ እንትኸውን እዚ ኣወንታዊ ምዕባለ ኣብ ኢትዮጲያ ሰላም ንምፍጣር  ፍሉይ ዕድል ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ክልቲኦም ወገናት ብህጹጽ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ንክወስዱ ክሰርሑ ይግባእ ዝበለ እንትኸውን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝመርሖ ሓባራዊ ስምምዕነት ብዝርከቡ ዓለም ለኻዊ ኣካላትን ቀጥታዊ ዘተ ክጅምሩ ሓቲቱ።

ሕብረት ኣፍሪካ ተኣማኒነት ዘለዎ ዘተ ሰላም ንምስላጥ ዘለዎ ቅዋም ዝገለጸ ሙሳ ፋቂ ማሕበረሰብ ዓለም ሕብረት ኣፍሪካ ዝመርሖ ዘተ ሰላም ከጠናኽር ከምዝግባእ ጸዊዑ።

መንግስቲ ትግራይ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝመርሖ ዘተ ክሳተፍ እየ ምባሉ ስዒቡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጲያን ዝነበረ እቲ ዘተ መን ይምራሓዮ ዝብል ውጥጥ ዘትረፈ፡ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ሕብራት ሃገራትን ኣሜርካን ነዚ ውሳነ መንግስቲ ትግራይ ንኢዶም ተመሳሳሊ መግለጺ ኣውጺኦም እዮም።