ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝምራሕ ዘተ ሰላም ንመንግስቲ ትግራይ ዝውክሉ ተዛተይቲ ተመዚዞም።

መንግስቲ ትግራይ ብሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝምራሕ ዘተ ሰላም ዝውክልዎ ተዛተይቲ ከምዝሓረየ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ንምፍታሕ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክግበር ተታሒዙ ዘሎ ዘተ ሰላም ትግራይ ንጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ኣይተ ጌታቸው ረዳን ዝሓውስ ተዛታዪ ጉጅለ ከምዘጣየሸ ተገሊጹ።

መንግስቲ ትግራይ እዚ ተዛታዪ ጉጅለ ብዘይ ዝኾነ ምጉታት ንምልኣኽ ቁሩብ ከምዝኾነ ወሲኹ ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ መንግስቲ ትግራይ ብሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝምራሕ ዘተ ንምስታፍ ዘለዎ ቁሩቡነት ገሊጹ።

ነዚ ንምግባርን ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣርን መንግስቲ ትግራይ ብሓባራዊ ስምምዕነት ንዝግበር ተጻብኦ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ንምግባር ቁሩብ እየ ዝብለ ኮይኑ በዚ ስምምዕነት ከምዝቅየድ ድማ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ተጌሩ ዝነበረ በይናዊ ተጻብኦ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ መርኣይ ከምዝኸውን ኣብሪሁ።

እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘተ ተኣማኒ ክኸውን ትጽቢት ከምዘለዎ ዝሓበረ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ እቲ ዘተ ሰላም ብክልቲኡ ወገን ተቀባልነት ዘለዎም ኣሸማገልቲ፣ ምትእምማን ዝፈጥሩ ዓለም ለኻዊ ተዓዘብቲን እቲ ስምምዕነት ብክልቲኦም ወገናት ተፈፃምነቱ ዝከታተሉ ኣካላትን ከምዘጠቓልል መንግስቲ ትግራይ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ክሳብ ሕጂ ዝተፈላለዩ ምክንያታት እናልዐለ ንሱ ደላይ ሰላም መሲሉ ክረኣይ ዝጸነሐ እንትኸውን እዚ ውሳነ መንግስቲ ትግራይ ዲፕሎማሲያዊ ጸብለልታ ዘውህቦ ከምዝኮነ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።

መንግስቲ ትግራይ ብዝተወሰኑ ኣመራርሓ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝምራሕ ዘተ ሰላም ዘለዎ ቅርታ ከምዘለዎ እናገለጸ ምጽንሑ ይፍለጥ።