ኣፎ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴረሽን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ጆኖሳይድ ይፍፀም ከምዘሎ ኣሚኑ።

ኣፎ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴረሽን ኢትዮጵያ ኣይተ አገኘሁ ተሻገር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጆኖሳይድ ይፍፀም ከምዘሎ ኣሚኑ።

ኮይኑ ግና እቲ ጆኖሳይድ ዝካየድ ዘሎ ህወሓት ህፃናት ብህዝባዊ ማዕበል ናብ ኲናት የእትዎም ስለዘሎ እዩ ብምባል ነኒባዕሉ ዝገራጮ መልእኽቲ ኣብ ትዩተር ገፁ ፂሒፉ።

ነቲ ብኣፎ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ዝተፅሓፈ መልእኽቲ ኣመልኪቱ ያበለ ሚድያ ዘዘራረቦም ገለ ተጋሩ ድማ እቲ ጆኖሳድ ከምዝተፈፀመ ምእማኑ ሓደ ነገር ኮይኑ፡ ንሱ ኣባል ዝኾነሉ ፋሽሽታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ነዚ ኣብ ባይታ ዘይወገናዊ ዓለምለኸ መርማሪ ጉጅለ ናብ ትግራይ ኣትዩ ከፃሪ ክፈቅድ ፀዊዖም።

እንድሕር ደኣ እዚ ገበን ይፍፀም ምህላው ኣሚኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለምንታይ ኮምሽን መርማሪት ሰብኣዊ መሰላት ሑቡራት ሃገራት ናብ ትግራይ ክኣቱ ዘይፈቐደን ካብ ኣዲስ ኣበባ ክምለስ ገይሩን ክብሉ ሓቲቶም።

ኣብ ዝሓለፈ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬደዋን ሑሱን፡ መርማሪት ኮምሽን ሑቡራት ሃገራት፡ ናብ ትግራይ ክኸዱ ኣይፈቐድናን ክብል ኣብ ኣብ ትዩተር ገፁ ፂሒፉ ነይሩ።

መርማሪት ኮምሽን ሑቡራት ሃገራት፡ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ኩሉ ዓይነት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ካብ ዝተዓፀወላ ትግራይ፡ ዝሓዝክምዎ መረዳእታ ለኣኹለይ ከምዝበለ ይዝከር።

እቲ ስርዓት ንመገሻ ኣባላት መርማሪት ኮምሽን ሑቡራት ሃገራት ናብ ትግራይ ዝኸልከለሉ ቀንዲ ምኽንያት ብስርዓት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ኣምሓራን ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝተፈፀመ መጠነ ሰፊሕ ጆኖሳይድ ከይቃላዕ ብምስጋኡ ከምዝኾነ ይግለፅ።