ኣብ ትግራይ፡ ግዳያት ሕማም ሽኮር ብሕፅረት መድሓኒት ይሳቐዩ ከምዘለው ተገሊፁ።

ኣብ ትግራይ፡ ግዳያት ሕማም ሽኮር ብሕፅረት መድሓኒት ይሳቐዩ ከምዘለው ዳይሬክተር ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር ክብሮም ገ/ስላሰ ሓቢሩ።

ዶክተር ክብሮም ከምዝበሎ፡ ብሕማም ሽኮር ዝተጠቕዑ ወገናት ብሕፅረት መድሓኒት ኢንሱሊን ኣብ ከቢድ ስቓይ ከምዘለው ኣብ ትዩተር ገፁ ፂሒፉ።

ብምዃኑ እውን “ፌዴረሽን ማሕበር ዓለምለኸ ሕሙማን ሽኮር” ነዞም ግዳያት ድምፂ ክኾኖምን ሓገዝ ክገብርን ፀዊዑ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዘጋጠመ ዕፅዋን ክባን ትካላት ጥዕና ትግራይ ብስእነት መድሓኒትን መሳርሒ ምርመራን ዝተላመደ ሕማም ቲቪ ምሕካም ኣብ ዘይኽእላሉ ብርኪ ከምዝበፅሓ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ምሕባሩ ይፍለጥ።

ከምኡ እውን ኣብ ትግራይ ዝነበረ ተኽእሎታት ምምማይ፣ ምፍላይን ምሕካምን ተጠቃዕቲ ሕማም ቲቪ “ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሰንኪ ዕፅዋ መድሓኒትን መሳርሒ ምርመራን ስለዘየለ ተሓካማይ ብዝህቦ ሓበሬታ ብምድራኽ” ግምታዊ ሕክምና ክሳብ ምሃብ ምብፅሑ ገሊፁ ነይሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ግልጋሎት ሕክምና ንመድሓኒት ዘይተላመደ ቲቪ ዝህባ ዘለዋ 25 ሚእታዊ ትካላት ጥዕና ጥራሕ ከምዝኾናን እተን ዝተረፋ 75 ሚእታዊ ትካላት መድሓኒት ስለዘይብለን ድማ ግልጋሎት ከምዘቋረፃ ምቅልሑ ይዝከር።