መንግስቲ ትግራይ፡ ተፆብኦ ደው ኢሉ ንሰለማዊ ልዝብ ቅሩብ ከምዝኾነ ምግላፁ ብሓጎስ ከምዝተቐበለቶ ወኪል መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ሑቡራት ሃገራት ገሊፃ።

መንግስቲ ትግራይ፡ ተፆብኦ ደው ኢሉ ንሰለማዊ ልዝብ ቅሩብ ከምዝኾነ ምግላፁ ብሓጎስ ከምእትቕበሎ ወኪል መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ሑቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ሓቢሩ።

ከምኡ እውን መንግስቲ ትግራይ መንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘተ ሰላም ንምቕባል ፍቓደኛ እየ ምባሉ ብሓጎስ ከምእትቕበሎ ኣምባሳደር ሊንዳ ኣረዲኣ።

ስለዝኾነ እውን ኩሎም ወገና ነዚ ዕድል ተጠቂሞም ኲናት ደው ከብሉን ዘተ ሰላም ክጅምሩን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲባ።

ኣምባሳደር ሊንዳ፡ ዝሓለፈ ዓመት ስርዓት ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ማእለያ ዘይብሎም ገበናት እንትፍፅሙ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ድምፂ ህዝቢ ብምዃን ገበናት ኲናት ትግራይ ተሰማዕነት ንኽረክብ ካብ ዝሰርሑ ሰበስልጣናት ሓንቲ ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ማህማት መንግስቲ ትግራይ ዘቅረቦ ጻዊዒት ሰላምን ብሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝምራሕ ዘተ ሰላም ክሳተፍ ምስምዕሙዑን ከምዝነኣደ ይዝከር።

ክልቲኦም ወገናት ድማ ብህጹጽ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ንክወስዱ ክሰርሑ ይግባእ ዝበለ እንትኸውን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝመርሖ ሓባራዊ ስምምዕነት ብዝርከቡ ዓለም ለኻዊ ኣካላትን ቀጥታዊ ዘተ ክጅምሩ ሓቲቱ እዩ።

መንግስቲ ትግራይ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝመርሖ ዘተ ክሳተፍ እየ ድሕሪ ምባሉ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ሕብራት ሃገራትን ኣሜርካን ንውሳነ መንግስቲ ትግራይ ብምንኣድ ተመሳሳሊ መግለጺ ምውፃኦም ይፍለጥ።