መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፅዋርን ሰራዊትን ኢትዮጵያ ምጉዕዓዝ ከምዝቐፀሎ ተሓቢሩ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፅዋርን ሰራዊትን ኢትዮጵያ ምጉዕዓዝ ከምዝቐፀሎ ተንታኒ ጉዕዞ ሳትላይት ነፈርቲ ገርጆን ኣቃሊዑ።

እቲ ጉዕዞ ነፈርቲ ዝከታተል ትካል፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትማሊ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ላሊበላን ኤርትራን ሚስጢራዊ ሽዱሽተ በረራታት ከምዘካየደ ሓቢሩ።

እቲ መገዲ ብቁፅሪ በረራ ET-AQm, ET-8120፣ Et-Aob, Et8124፣ Et-AQQ, Et8130 ካልኦትን ብድምር ሽዱሽተ በረራታት ከምዘካየደን ካብዚ እቲ ሓሙሽተ በረራ ናብ ኤርትራ ከምዝኾነ ኣሚቱ።

እቲ መገዲ ኣየር ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ተመሳሳሊ ተግባር ተዋፊሩ ከምዝፀንሐ ዝፍለጥ ይዝከር።

ብተወሳኺ ሰነዳት፣ስእልታትን መሰኻኽር ዓይኒን ፍልፍል ብምጥቃም መንግስቲ ኢትዮጵያ መሳርሒ ኲናት ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባ ኣስመራን ከምኡ እውን ምጽዋዕን ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ኣቢሉ የጎዓዕዝ ከምዝነበረ ማዕኸን ዜና ሲኤንኤን ኣቃሊሑ ነይሩ።

እዚ ተግባር መንግስቲ ኢትዮጲያ መሳርሒ ኲናት ብሲቪላዊ ነፈርቲ ምጉዕዓዝ ዝክልክል ዓለም ለካዊ ኣቭየሽን ሕጊ ዝጥሕስ ከምዝኾነ ድማ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ማዕኸን ዜና ኣብዘካየዶ ሰፊሕ ምርመራ ካብ መጀመርያ እቲ ኲናት ጀሚሩ መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ኣብ ምጉዕዓዝ መሳርሒ ኲናት ከምዝተሳተፈ ዘርእዩ ሰነዳትን ምስልታትን ጭብጢ ብምቕራብ ኣቃሊዑ እዩ።

ብመሰረት እቶም ሰነዳትን መሰካክር ዓይነን መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ጠያይቲ፣ ከበድትን ፎኮስቲ ብረታት፣ ታንክታትን ንወታደራዊ ኣገልግሎት ዝውዕላ መካይንን ዘጎዓዓዘ እንትኸውን ነዚ ተግባር ዝኮና ናይ ሰብን ጽዕነትን ነፈርቲ ከምዝተጠቐመ ምቅልሑ ይፍለጥ።