ሓድሽ ፕረዚዳንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ንልዝብ ሰላም ኢትዮ-ትግራይ ክመርሕ ንነበር ፕረዚዳንት እሁሩ ኬንያታ ከምዝመዘዞ ኣፍሊጡ።

ዊልያም ሩቶ ሎሚ ሓሙሻይ ፕረዚደንት እታ ሃገር ብምዃን ቃለ መሓላ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ንልዝብ ሰላም ኢትዮ-ትግራይ ክመርሕ ንነበር ፕረዚዳንት ኬንያ እሁሩ ኬንያታ ከምዝመዘዞ ሓቢሩ።

ሩቶ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ኬንያታ ኣብ ኢትዮጵያን ዞባ ዓበይቲ ቀላያትን ሰላም ንምምፃእ ዝነኣድ ስራሕ ከምዝሰርሐ ገሊጹ።

እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት “ኣብ ኢትዮጵያን ዞባ ዓበይቲ ቀላያትን ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ሰላም ንምሕያል ቃል ኣትየ ኣለኹ” ኢሉ።

ከምኡ እውን “ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፡ ንህዝቢ ኬንያ ወኪሉ ነቶም ዝርርባት ክመርሕ ከምዝተስማዕመዐ ብምግላጽ፡ “ክትሕግዘኒን ክትድግፈኒን ስለ ዝፈቐድካ የቐንየለይ” ድማ ኢልዎ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ሕብረት ኣፍሪካ ቀዳማይ ሸምጋሊ ክኸውን መርገጺኡ ከምዘፍለጠ ይዝከር።

መንግስቲ ትግራይ ግን ብወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝምእኸል ሽምግልና ከምዘይቕበልን ዓለምለኸ ሸምገልቲ ክኣትውዎን ሓቲቱ ነይሩ።

እንተኾነ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ንምልዛብ ድልው ከምዝኾነ ምግላጹ ይፍለጥ።