ተጋሩ፡ ነበርቲ ኣሜሪካ ሎሳንጀለስ ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ብዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ ክፍሊ በረራ ዓረብ ኤምሬትስ ንሰዓታት ከምዝተኣጓጎለ ተገሊፁ።

ተጋሩ፡ ነበርቲ ኣሜሪካ ሎሳንጀለስ ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ኣንፃር ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ዕፅዋን ሓገዝ ድሮንን ደው ንኽብል ዝፅውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ክፍሊ በረራ ዓረብ ኤምሬትስ ንሰዓታት ከምዝተኣጓገለ ተሓቢሩ።

እቶም ነበርቲ ሎሳንጀለስ ተጋሩ፡ ብሃገራት ቱርኪን ዩናይትድ ዓረብ ኤምሬትስን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ጆኖሳይድ ንዝፍፅም ዘሎ መግስቲ ኢትዮጵያ ዝገብራኦ ዘለዋ ሓገዝ ኣፅዋርን ድሮንን ደው ንኽብል ፀቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ንጆኖሳይድ ትግራይ ዝገልፁ ግንዛበ መዕበዪ ፅሑፋትን ምስልታትን ብምድላው ኣብ ውሽጢ እቲ መዕረፎ ነፈርቲ ንዝነበሩ ሰራሕተኛታትን ተጎዓዝትን ከምዝዓደሉ ተፈሊጡ።

ብተወሳኺ እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ዕፅዋ ይለዓል፣ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ይቕረቡ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓገዝ ኣፅዋርን ኲናትን ደው ይበል እንትብሉ ይስመዑ።

ኣብ መወዳእታ፡ ሓይልታት ፀጥታ ብሓይሊ ደው ከብልዎ ዋላ እኳ እንተፈተኑ እቶም ሰልፈኛታት ተጋሩ ድምፆም ብዝግባእ ድሕሪ ምቅላሕ ካብቲ መዕረፎ ነፈርቲ ከምዝወፁ ተፈሊጡ።

ኣብ መላእ ዓለም ዝነብሩ ኣሽሓት ተጋሩ ኣንፃር ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ጆኖሳይ ተመሳሳሊ ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ኤምባሲታትን ጎደናታትን እንዳካየዱ ከምዝቐነዩ ዝፍለጥ እዩ።

ቅድም ክብል ሰበስልጣናት ኢትዮጵያ፡ ንመገሻ ኣብ ዝወፁለን ሃገራት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ጆኖሳይድ ከምዝፈፀሙ ዘጋልፅ ተቓውሞ ተጋሩ ኣጋጢሙዎም እዩ።