ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ገበን ምፅናት ዘርኢ ንዘካይድ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓገዝ ገንዘብ ኣበርኪቱ።

ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ምስ ሓይልታት ወፃኢ ተሻሪኹ ገበን ምፅናት ዘርኢ ንዘካይድ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣስታት 19 ሚልዮን ብር ሓገዝ ገንዘብ ከምዘወፈየ ተገሊፁ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ብመገዲ ማዕኸን ዜና ኢቢሲ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ነቲ ሓገዝ ገንዘብ ከምዘበርከተን ኣብ ቀፃሊ ሰራሕተኛታቱ ደም ክልግሱ ከምዝገብርን ገሊፁ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ካብ ዝእወጅ ናብዚ ኩለን ህዝባዊ ትካላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዝካየድ ጆኖሳይድ ብቀጥታን ብተዘዋዋርን ገንዘባውን ሞራላውን ሓገዝ ኣበርኪተን እየን።

ከምኡ እውን መንግስቲ ኢትዮጲያ መሳርሒ ኲናት ብሲቪላዊ ነፈርቲ ምጉዕዓዝ ዝክልክል ዓለም ለካዊ ኣቭየሽን ሕጊ ብምጥሓስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዝጥቀም ማዕኸን ዜና ሲኤንኤን ፀብፂቡ ነይሩ።

እቲ ማዕኸን ዜና ኣብዘካየዶ ሰፊሕ ምርመራ ካብ መጀመርያ እቲ ኲናት ጀሚሩ መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ኣብ ምጉዕዓዝ መሳርሒ ኲናት ከምዝተሳተፈ ዘርእዩ ሰነዳትን ምስልታትን ጭብጢ ብምቕራብ ምቅልዑ ይዝከር።