ብሰንኪ ከም ብሓዱሽ ዝተወለዐ ኲናት ትግራይ  ኣብ ትግራይ ብዓሰርተታ ኣሸሓት ዝቑጸሩ ወገናት ከምዝተፈናቀሉ ውድብ ሕብራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ብስንኪ መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኣወጅዎ ኲናት ሓደሽቲ ብዓሰርታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ከምዝተፈናቀሉ ወሃቢ ቃል ውድብ ሕብራት ሃገራት ስቴፈን ዱጃሪክ ተዛሪቡ።

ዛጊድ ኣብ ከተማታት ሽረን መቐለ ንዝርኸቡ ልዕሊ 23 ሽሕ ሓደሽቲ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ስድራቤታት ዝኸውን መፅለሊ ከምዝተዓደለ ዝገለጸ እንትኸውን ብሰፊሑ ሓገዝ ንምግባር ግን ኣብ ዘይከኣለሉ ብርኪ ከምዝተብጸሐ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ምቕጻሉ ሲዒቡ መኻይን በረራ ኣየርን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከምዝተቋረጸ ስቴፈን ዱጃሪክ ሓቢሩ።

ከምኡ እውን ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ምምልላስን ንሰብኣዊ ሓገዝ ዘድሊ ጥረ ገንዘብ ምልኣኽን ከምዘይተኸኣለ ገሊጹ።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ትግራይ ብዝነበረ ንብረት ሓገዝ ይግበር ከምዘሎ ዝገለጸ እቲ ወሃቢ ቃል እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣብ ዘሎ ሰለስተ ሰሙን ግን ሓዱሽ ሓገዝ ምእታው ከምዘይተኸኣለ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኤርትራን ብሰንኪ ዝኣወጅዎ ኲናት ካብ ከባቢ ሸራሮን ከባቢኡን ዝተፈናቀሉ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ብዘይ መጽለሊ ኣብ በረኻታታት ወዲቖም ከምዘለውን ስሩዕ ሰብኣዊ ሓገዝ ክግበረሎም እውን ከምዘይተከኣለ ካብቲ ቦታት ዝወጹ ሓበሬታ የመላኽቱ።