መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ኢትዮጲያ ሰላም ንምምጻእ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዕንቅፋት ይኸውን ከም ዘሎ ሕብረት ኣውሮጳ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል ሕብረት ኣውሮጳ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጲያ ሰላም ንምምጻእ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዕንቅፋት ይኸውን ከምዘሎ ሓቢሩ።

ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑጸር ወራሪ ሰራዊት ኣሰሊፉ ብዝተፈላለዩ ግንባራት ትግራይ ንምውራር ኲናት ዝኣወጀ መንግስቲ ኤርትራ እቲ ኲናት ብሰላም ከይፍታሕ ዕቅፋት ከምዝኮነ ሕብረት ኣውሮጳ ከሲሱ።

ብተወሳኪ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብቲ መግለጺ: ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝፈጸሞም መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ኢትዮጲያ ሰላም ንምምጻእ ዘሎ ተስፋ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ ብምባል ኮኒኑ።

መንግስቲ ትግራይ ብስምምዕ ተጻብኦ ደው ምባል ክቅየድ እየ ምባሉ ዝነኣደ ሕብረት ኣውሮጳ ኩሎም ወገናት እቲ ዂናት ከብቅዕ እዚ ዕድል ክጥቀምሉ ከምዝግባእ ገሊጹ።

እቲ ኲናት ብዘተ ሰላም ጥራሕ እዩ ክፍታሕ ዝኽእል ዝበለ ሕብረት ኣውሮጳ ሰላም ንምፍጣር ግዜ ምብኻን ከምዘየድሊ ገሊጹ።

ሕብረት ኣውሮጳ እቲ ኲናት ብሓዱሽ መልክዕ ምቅጻሉ ስዒቡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክኣትው ምክልካሉ እቲ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘገዳድ እዪ ዝበለ እንትኸውን ቁጠባ እታ ዓዲ እውን ክሃሲ ከምዝክእል ሓቢሩ።