ኣባል ሴንተራል ኮማንድ ጌታቸው ረዳ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ስውር ዕላማ ክህልዎ ከምዝኽእል ገሊፁ።

ኣባል ሴንተራል ኮማንድ ጌታቸው ረዳ፡ ንኤርትራ ዝግዕዝ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ስውር ተልእኾ ክህልዎ ከምዝኽእል ኣሚቱ።

ኣይተ ጌታቸው ኣብ ትዩተር ገፁ ከምዝፀሓፎ፡ ኣቢ ኣሕመድ ኣሽሓት ወተሃደራት ኢትዮጵያ በቢመዓልቱ ብምድርን ብነፈርትን ናብ ኤርትራ የግዕዞም ከምዘሎ ሓቢሩ።

እንተኾነ ስርዓት ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክፍፅሞ ዝደለዮ እከይ ዕላማ ክህልዎ ከምዝኽእል ኣብሪሁ።

እንተኾነ ብዛዕባ እቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክፍፅሞ ዝሓሰቦ ዕላማ ኣመልኪቱ ከመይን እንታይን እዩ? ንዝብል ዝርዝር ዝሃቦ መብርሂ የለን።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ማእለያ ዘይብሎም ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኢትዮጵያን ብምድርን ኣየርን ናብ ኤርትራ ተጎዓዒዞም ብሸነኽ ኣድያቦ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ተሰሊፎም ኣንፃር ሰራዊት ትግራይ ይዋግኡ ከምዘለው ይፍለጥ።

ኣብዚ ቅንያት ኣብ ግምባር ደቡብ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ብጄካ እቶም ዝሞቱ፡ ዝተማረኹ ኣስታት 6 ሽሕ ዓሰስ ገሰስ ሰራዊት ኢትዮጵያ መቐለ ከምዝኣተው ዝፍለጥ እዩ።

ብተወሳኺ ብሸነኽ ኣድያቦ ትግራይ ንምውራር፡ ናብ ኤርትራ ሰጊሩ ወራር ዘካየደ እዚ ምብራቕ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ልፍንቱን ኲናት ከምዝኸፈቱ ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ምግላፁ ይዝከር።