ኣብ ኤርትራ፡ ትሕቲ 55 ዝዕድሚኦም ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ናብ ግንባራት ውግእ ክኸቱ ይግበር ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ኤርትራ፡ ትሕቲ 55 ዝዕድሚኦም ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ናብ ግንባራት ውግእ ክኸቱ ይግበር ከምዘሎ ቢቢሲ ንምንጭታት ኣስመራን ከረንን ብምጥቃስ ጸብጺቡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እቶም ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ዝሓለፈ ብረቡዕ ንግሆ ናብቲ ዝተመደበሎም ቦታታት ክኸዱ፡ ብመገዲ ምምሕዳራት ኣቢሉ ከም ዝተነግሮም ተሓቢሩ።

ካብቶም ካብ ኣስመራን ከባቢኣን ዝተበገሱ ብዙሓት ናብ ዶብ ትግራይ ዝርከብ ግንባራት ከምዝበጽሑ ማዕኸን ዜና ቢቢሲ ኣቃሊዑ።

ከምኡ እውን ኣብ ከተማታት ሰፊሕ ግፋ ይካየድ ከምዘሎን ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ጎደናታት ወረቐት መንነት ይሓቱ ከምዘለዉን ተገሊጹ።

እቲ ኩነታት ኣብ ስድራቤታት ዓቢ ሻቕሎትን ስግኣትን ፈጢሩ ከምዘሎን፡ ብዙሓት ኣዴታት ኣብ ምፍናው ናይቶም ዝኸተቱ ክበኽያ ከምዝተራእያን ፍልፍላት ንቢቢ ገሊጾም።

ኣባልነት ዕቑር፡ ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ኤርትራ ንዅሎም ካብ ምዱብ ሰራዊት በብእዋኑ ዝተፋነው ተጋደልትን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበሩ፣ ኣብ ውልቃውን ሲቪላዊ መንግስታዊ ስርሓት ዝተዋፈሩ ክሳብ 70 ዓመት ዝዕድመኦም ዜጋታት ዝምልከት ምዃኑ ይፍለጥ።

ስርዓት ኤርትራ፡ ምስ ናብ ኤርትራ ዝገዓዘ ሽሾ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተጸምቢሩ ብሸነኽ ኣድያቦን ካልኦት ከባብታትን ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ይዋጋእ ከምዘሎ ይዝከር።