ኣስታት 89 ሚእታዊ ህዝቢ ትግራይ ህፁፅ ረዲኤት መግቢ ከምዘድልዮ ተገሊፁ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 89 ሚእታዊ ህዝቢ ትግራይ ህፁፅ ረዲኤት መግቢ ከምዘድልዮ ንሓለፊ ውድብ ምግቢ ዓለም ዴቪድ ባስለይ ብምጥቃስ ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ ኣማንዳ ፕራይስ ፂሒፋ።

ሓላፊ ውድብ ምግቢ ዓለም ዴቪድ ባስለይ ንባይቶ ፀጥታ ሑቡራት ሃገራት ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ፡ ኣብ ትግራይ ዳግማይ ብዝተወለዐ ኲናት ሓያሎ ሰባት ንጥምየት ከምዝተቓልዑ ምግላፁ እታ ጋዜጠኛ ኣብ ትዩተር ገፃ ፂሒፋ።

ብምዃኑ እውን እዞም ዝጠመዩን ኣዚዮም ዝተሃሰዩን ሰባት ህፁፅ ሰብኣዊ ረዲኤት መግቢ ከምዘድልዮምን ንተበፃሕነቱ ምስራሕ ከምዘድልን ኣተሓሳሲቡ።

ብተወሳኺ ከም ሕፅረት ነዳድን ጥረ ቅርሽን ከምዘሎን ነዚ ንምምላእ ሙሉእ ሓገዝ ከምዘድልን ከምዝፀወዐ ሓቢራ።

ወሃቢ ቃል ውድብ ሕብራት ሃገራት ስቴፈን ዱጃሪክ፡ ኣብ ከተማታት ሽረን መቐለ ንዝርከቡ ልዕሊ 23 ሽሕ ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ብሰፊሑ ሓገዝ ንምግባር ግን ኣብ ዘይከኣለሉ ብርኪ ከምዝተብጸሑ ምሕባሩ ይዝከር።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ምቕጻሉ ሲዒቡ ድማ ኣብ ትግራይ ብምድርን ነፈርትን ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተቋረጸ እውን ገሊፁ ነይሩ።

ስለዝኾነ እውን ክሳብ ሕጂ ኣብ ትግራይ ብዝነበረ ንብረት ሓገዝ ይግበር ከምዘሎ ዝገለጸ እቲ ወሃቢ ቃል እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣብ ዘሎ ሰለስተ ሰሙን ግን ሓዱሽ ሓገዝ ምእታው ከምዘይተኸኣለ ኣፍሊጡ እዩ።