ፀብፀብ ኮምሽን ዓለም-ለኸ ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት:- ድሕረ ባይታ፣ ሓፈሻዊ ትሕዝቶን፣ ቀፃሊ ኸይድን!

ብሙሉ በየነ                                        

1. መእተዊ 

  • እዚ መስርሕ ኣካል ኣብ መንጎ ሃገራት ዝግበር መስተጋብር እዩ፣ ኣብዚ ኸይዲ ካብ ሃገራት ወፃኢ ዘለዉ ካልኦት ኣካላት ውስን ተራ ኣለዎም፡፡ 
  • ዓለም ለኸ መስርሕን ሕግን ንሃገራዊ ኣሰራርሓን ትካላትን ቀዳምነት ብምሃብ፣ ካልኦት (ከምዚ ኮምሽን ዝበለ) ሓገዝቲ ገይሮም ይወስዱ፡፡
  • ማለት እውን እዚ ኮምሽንን ስርሑን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ናይ ዝግበሩ መስርሓት ተወሳኺ እምበር ተካኢ ኣይኮነን፡፡
  • ካብዚ መስርሕ እንገብሮ  ትፅበቢት በዚ ክቃነ ኣለዎ፡፡

‘ሓቂ ናይ ዝሰዓረ እዩ!

  • ካብ ልምዲ፣ እዚ ብወሳኒ መልክዑ ትኽክል ይመስል፡፡ ብዙሕ ነገር ኣብ መሬት ብዘሎ ኹነታት ዝውሰን እዩ፡፡ ኣብ ክሊ እዚ ግን ኣብ ግምት ክኣትዉ ዘለዎም፣
  • ብረታዊ፣ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን መስርሓት ተመጋገብቲ ምዃኖምን
  • ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ነዊሕ ምዃኑን
  • ኣብዚ ፀብፃብ ከም እተፈፀሙ ዕልባት ዝተገብሎም ጥሕሰታት ገሊኦም ዓለም ለኸ ገበናት ምዃኖም የርኢ፡፡

ብመሰረት እዚ፣

  • ሓይልታት ትግራይ ሓዊሱ ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ዂናት ገበን ዂናት ከም ዝፈፀሙ፣
  • ብተወሳኺ ሓይልታት ኢትዮጵያን ደገፍቱን ድማ ክልተ ዓይነት ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍፀሙ ገበናት ከም ዝፈፀሙ የርኢ፣ (1) ብምቕታል፣ ብፆታዊ ዓመፅን ስቅያትን (2) ይቕፅል ብዘሎ ህዝቢ ብምጥማይ ምስቓይን ልዑል ጉድኣት ምብፃሕን

2. ኣብ መንጎ ገበን ኲናት፣ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍፀም ገበንን ገበን ፅንተትት ዘሎ ቀንዲ ኣፈላላይ እንታይ እዩ?

  • ኲናት ገበን (war crimes) ዝበሃል ኣብ ክሊ ዕጥቃዊ ግጭት ዝፍፀሙ መብዛሕትኦም ጥሕሰታት የካትት፣ ንኣብነት ሓደ ሰብ ብዘይ ኣግባብ ምቕታል፡፡
  • ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍፀም ገበን (crimes against humanity) ድማ ኣብ ኲናት ይኹን ካብኡ ወፃኢ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዝግበር ጥቕዓት እንትኾን፣ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይፍፀም፣ ብስፍሓትን ብዝተዋደደ መልክዕን ዝትግበር ገበን እዩ፡፡
  • ናይ ገበናት ገበን እናተባህለ ዝፍለጥ ፅንተት (genocide) ድማ ብዝተፈላለዩ ተግባራት ዝኽወንን፣ ብስፍሓትን ብዝተዋደደን መልክዕ ዝፍፀም ምኳኑን ከም ዘሎ ኾይኑ፣ ዋና መግለፂ እቲ ገበን ድማ ሓደ ዝተፈለየ ሃይማኖታዊ ወይ ብሄራዊ/መንነታዊ እኩብ መሊእኻ ወይ ብኽፋል ንምጥፋእ ዝዓለመ ምዃኑ እዩ፡፡
  • ኣብ ከይዲ ምውሳን ምፍፃምን ዘይምፍፃምን ኲናት ፅንተት:
    • ካብ ካልኦት ገበናት ፍልይ ብዝበለ መልክዑ እቲ ግዳይ ዝኾነ እኩብ ንምጥፋእ ድሌትን ሓሳብን ምህላዉ ምርግጋፅ ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑ፣  
    • እቲ ፈፃሚ ሓይሊ ነቲ ግዳይ ዝኾነ እኩብ ከጥፍኦ ዝደለየሉ ምኽንያት (motive) ኣብ ስልሒት ከም ዘይኣቱ〈 ማለት እውን ንኣብነት፣ እቲ ድልየት ካብ ፅልኣት፣ ወይ እውን ዂናት ንምዕዋት ካብ ምብሃግ ክብገስ ይኽእል፡፡ እቲ ቀንዲ ረቛሒ ውፅኢት ተግባራት ተኸሰስቲ እቲ ግዳይ ንምጥፋእ ዝዓለሙ ምዃኖም ምርኣይ ምዃኑን፣
    •  ፅንተት ንምፍፃም ብዙሕ ክፋል ናይቲ ግዳይ ዝኾነ እኩብ ምጥፋው ግድን ከም ዘይኮነን እውን ምግንዛብ የድሊ፡፡ 

3. ኣመሰራርታ እቲ ኮምሽን እንታይ ይመስል? 

  • ድሕሪ ብዙሕ ቃልሲ፣ ኣብ ታሕሳስ 2021 ተመስሪቱ፡፡
  • ዂናት ካብ ዝጀመረሉ መዓልቲ እቲ ኮምሽን ኣብ ስራሕ ክሳብ ዝፀንሐሉ እዋን ዝፍፀሙ ኩሎም ጥሕሰታት ይሽፍን፡፡
  • ዋላ’ኳ መልዐሊኡ ዂናት ትግራይን ስዒቦም ዝተፈጥሩ ጥሕሰታትን ይኹን እምበር ፣ሕዚ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝፍፀሙ ዘለዉ ጥሕሰታት ክምርምር ተገይሩ እዩ፡፡
  • ዝሕደስ፣ ንሓደ ዓመት ዝፀንሕ መዝነት ኣለዎ፡፡
  • ድሕሪ ነዊሕ ውሽጣዊ ሕልኽላኽ ኣብ ግንቦት 2022 ፀሓፊ ተገይርሉ፡፡
  • ቤት ፅሕፈቱ ኣብ ኡጋንዳ፣ ከተማ እንተቤ እዩ፡፡
  • ብውልቆም ብዝሰርሑ፣ ግን ተፀዋዕነቶም ነቲ 47 ኣባል ሃገራት ዝሓዘ ካውንስል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ብዝኾኑ ሰለስተ ኮምሽነራት ይምራሕ፡፡

ንሙሉእ ትሕዝቶ እቲ ብሙሉ በየነ ኣብ ዋዕላ GSTS/ATAD ብዕለት 24/09/2022 ዝቐረበ ፅሑፍ ቀፂሉ ዘሎ PDF ፋይል ከፊቶም የንብቡ።