ሽም ትግራይን መንግስቲ ትግራይን ከይልዓል ስርዓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣውጁ

ስርዓት ኢትዮጵያ ብቐፃሊ ኣብ ዘሎ ዘተ ተፃብኦ ደው ምባል ኮነ ድርድር ሰላም ሕጋዊ ስማት ትግራይ፣ ማለት እውን ክልል ትግራይ፣ መንግስቲ ትግራይ፣ ምምህዳር ትግራይ፣ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኢልካ ምቕራብ ሕጋዊ ከምዘይኮነ ገሊፁ ኣሎ። ምስ ህወሓት/ኣሸባሪ/ጁንታን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝግበር ዘሎ ጥራሕ ከምዝኾነ ክቐርብ ንሚዲያታትን ካልኦት ትካላትን ኣተሓሳሲቡ።

እዙይ ምስቲ ”ነጋሪት” ዝተባለ መደብ ኣምሓራ ቲቪ ብእኒ ውብሸት ሙላት ዝብሃሉ ኣዳለውቲ እቲ ምደብ ”የትግራይ ህዝብ ካለ ቢላ እና ማጭድ ሌላ መታጠቅ የለበትም፣ የትግራይ ክልል ስምም ወንጀል መደረግ ኣለበት” ዝበልዎ ብቐጥታ ዝመሳሰል ውሳነ ስርዓት ኢትዮጵያ እዩ። ብቐፃሊ ”ትግራዋይ እየ” ምባል እውን ገበን ክኾን ይኽእል እዩ። ኣብዚ ጉዳይ ሪኢቶ ዝሃበ ብዓል ሞያ ሕጊ ሙሉ በየነ ነቲ ኹነታት ከምዚ ዝስዕብ ዝገለፆ እንትኾን መፍትሒ ዝበሎ እውን ከምዝስዕብ ኣቐሚጥናዮ ኣለና።

”ስርዓት ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ፅሑፍ ንትግራይ ‘ክልል ትግራይ’፣ ‘ምምሕዳር ትግራይ’፣ ‘ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ’፣ ‘መንግስቲ ትግራይ’ …ዝብሉ መፀውዒታት ከይትጥቀሙ ክብል ንመራኸብቲ ሓፋሽን ንኻልኦትን ብዕሊ አዊጁ አሎ። እዚ ኣካል ድሌት ምጥፋእ ትግራይ ተገይሩ ክወሰድ አለዎ። ስም ዓድና’ውን ክመርፁልና!

ብግደና፣

1. ኢትዮጵያ ብዝምልከት ‘ፋሽስት ኢትዮጵያ’ ዝብል ኣገላልፃ አብ ፅሑፍናን ዘረባናን ክንጥቀም፣ ክንለምድ እላቦ፣ እቲ ዓዲ ፋሽስታዊ ካብ ዝኾን ስለዝፀንሐ። ህይወት ሰባት ዘየግድሶ፣ አብ ሕሉፍ ታሪኽ፣ ወይ ሓሳባዊ መፃኢ ዝነብር፣ ህዝቢ ንምጥፋእ ማሓውር መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ መራኸብቲ ሓፋሽ፣ ሃይማኖት፣ ማሕበረሰብ ንግድን ኮታስ ኩሉ ዝጥቀምን፣ ሓይሊ ንኹሉ መፍትሒ’ዩ ኢሉ ዝኣምን ዕሉል ፋሽታዊ ዓዲ እዩ።

2. እዚ ምልማድ ዝኣበዮ ሰብ/ዘይተቐበሎ ድማ ብቐፃሊ ‘ስርዓት ኢትዮጵያ’ እምበር ‘መንግስቲ ኢትዮጵያ’ ዝብል መግለፂ ንዘይምጥቃም ምምኳር። እቲ ስርዓት ናይ መንግስትነት ጨና ዘይብሉ ናይ ወመናታት እካብ ስለ ዝኾነ።

3. መንግስቲ ትግራይ አብ ውዕላትትን ካልኦት ፅሑፋትን እንተንኣሰ ‘ህወሓት’ ብዝብል ናይ ውድብ ስም ከይግለፅ ከረጋግፅ አለዎ። ክንዲ ዝተኻእለ ‘ትግራይ’ ዝብል ብዘይ ተወሳኺ ቅፅል መፀውዒ ኮይኑ አብ ጥቕሚ ክውዕል ፃዕሪ እንተዝገብር ምበልኩ። እዚ ኣካል ናይ ርእሰ ምሕደራ እዩ።” ክንብል ኣለና ይብል።

እዙይ ነቲ ዝተፀውዐ ዘተ ሰላም ድራማዊ ምኻኑ ተወሳኺ መረገጋፂ ጥራሕ እንተይኮነስ ዓርሱ ዝኽዓለ ምልክት ጆኖሳይድ ምዃኑን ክቃላዕ ከምዘለዎን ዘተሓሳስቡ ብዙሓት እዮም።

ያበለ ሚዲያ

27 መስከረም 2015 ዓ/ም

YouTube: https://www.youtube.com/c/YabeleMedia

Twitter: https://twitter.com/YabeleMedia

Website: https://yabelemedia.com

LinkedIn: https://www.linkedin.com/in/yabele-me

GoFundMe: https://gofund.me/b35a1736