”ብድምፂ ህዝቢ ትግራይ ዝተመረፀ መንግስቲ ትግራይ ክቕየር፥ ክፈርስ ዝኽእል ብህዝቢ ትግራይ እምበር ብስምምዕነት ተፃብኦ ደው ምባል ስለዘይኮነ እዚ’ውን ክወፅእ ዘለዎ እዩ” መግለፂ ቅዋም ‘መንግስቲ ትግራይ’

(ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መገለፂ ከምዚ ዝስዕብ ይንበብ)

ትሕዝቶን ኣተገባብራን ሰነድ ስምምዕነት ዘተ ብዝምልከት፣ መግለፂ ቅዋም መንግስቲ ትግራይ ሰነድ ስምምዕነት ዘተ፥ ህልውና ትግራይን ረብሓ ህዝቢ ትግራይን፣ ብዘረጋግፅ ንተግባራዊነቱ ብፅንዓት ንቃለስ!

ህዝብን መንግስትን ትግራይ ካብ ብጊሓቱ፣ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብዘተን ሰላምን ጥራሕ ይፍታሕ ዝብል ፅኑዕ መትከል ሒዞም ተቃሊሶም እዮም፡፡ ጠንቅን ሳዕቤንን ዂናት ብክልሰ ሓሳብ ከይኰነስ ብተግባር ዝፈልጡዎ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣብ ልዕሊኦም ተኣዊጁ ዝተተግበረ ሰነ-ልቦናውን ቅሉዕ ወታደራውን ኲናት፣ እንትርፊ ህልቂትን ዕንወትን ዘመፀኦ ፋይዳ ከም ዘይብሉ ኣሚኖም ሰላም ንምንጋስ ኣርባዕተ ዓመት ሙሉእ ከም ዝተቃለሱ ማሕበረሰብ ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ፡፡


ይኹን ዳኣ’ምበር መማረፂ ስለ ዝሰኣኑ፣ ሃለዋት፥ ድሕንነትን መሰልን ህዝቢ ትግራይ ውሑስ ንምግባር ብረት ኣልዒሎም ክቃለሱ ተገዲዶም እዮም፡፡ ብምዃኑ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ከቢድ ሰነ-ልቦናዊ፣ ሰብኣውን ንዋታውን መስዋእትነት ከፊሎም መስተንክር ቅያ ሰሪሖም ጥራሕ እንተይኰነስ፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካን ኬንያን ስምምዕ ዘተ ሰላም ክካየድን ክፍረምን ገይሮም ኣለዉ።


እዚ ተፈሪሙ ዘሎ ሰነድ ስምምዕነት ዘተ፣ ውፅኢት ቃልሶምን ተደራራቢ ዓወቶምን ኮይኑ፣ ህዝቢ ትግራይ ሕዚ በፂሕዎ ካብ ዘሎ ሰብኣውን ማሕበራውን ቅልውላው ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ብርሰት ንምድሓን ዝተገበረ ስምምዕነት እዩ ኢሎም ይኣምኑ፡፡ ስለዙይ ህዝብን መንግስትን ትግራይ እቲ ስምምዕነት ዘተ፣ ቀልጢፉ ናብ መሬት ወሪዱ፣ ናብ ነገራዊ ሓይሊ ንኽቅየር ብፅንዓት ዝቃለሱሉ ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ፡፡ ኣብዚ ሰነድ ስምምዕነት ዝተሳተፉ ኩሎም ኣካላት ማለት እውን ተደራደርቲ ወገናት፥ ኣደራደርቲ፥ ሕብረት ኣፍሪካ፥ መንግስታት ኣሜሪካ፥ ደቡብ ኣፍሪካን ኬንያን ከምኡ እውን ተፈጢሩ ዘሎ ጎንፂ ብዘተ ክፍታሕ ዘየቋርፅ ፃዕሪ ንዝገበሩ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ሕብረት ኣውሮፓን ካልኦት ሃገራትን ዝለዓለ ምስጋና ክነቕርብ ንፈቱ።


እቲ ሰነድ ስምምዕነት፣ ህዝብና ንምድሓን ዝተፈረመ እዩ እንትበሃል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደን ይካየድ ዘሎን ገበን ጀኖሳይድ ደው ንክብል፣ ምዝንባልን በቢኣንፈቱ ከም ደቂ ዛግራ ፋሕጭንግራሕ ክብል ዝተገብረ፣ ፈቖዶ ዱርን ገደልን ይሳቐ ዘሎ ህዝብና ናብ መረበቱ ተመሊሱ ናብርኡ
ንክመርሕ፣ ብድምር ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ህዝብና ዝበፅሐን ይበፅሕን ዘሎ፣ ህልቂትን ዕንወትን ክዕገት ምግባር ማለት እዩ׃׃ ነዙይ እውን እዩ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ነቲ ዝተፈረመ ሰነድ ስምምዕነት ዘተ ከም መእተዊ ሰላም ዝቕበልዎ׃׃

ህዝብን መንግስትን ትግራይ፣ ነቲ ኣብ ደቡብ አፍሪካ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ስምምዕነት ብሓፈሽኡ ከም መእተዊ ሰላም ዝቕበልሉ ምክንያት መሰረታዊ ዕላማታትን መትከላትን እቲ ስምምዕ ንህልውና፥ መሰልን ረብሓን ህዝብና ከረጋግፅ ይኽእልዩ ካብ ዝብል ተስፋን እምነትን ዝብገስ እዩ። እቲ ሰነድ
ብቀንዱ ሕገ መንግስትን ሕገ መንግስታዊ ሰርዓትን ንክኽበር፣ ኩሎም ፀገማት ብዘተን ልዝብን ብሰላም ክፍትሑ ብግልፂ ኣቐሚጡ ሰለዘሎ እዩ፡፡ እዚ ንምዕዋት ድማ ተፃብኦ ደው ክብል፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣትው፣ መሰረታዊ ማሕበራዊ አገልግሎታት ክኽፈቱን ካልኦት ዝርዝር ጉዳያትን ዘቐመጠ ብምዃኑ ብህዝብን መንግስትን ትግራይ ተቐባልነት ዘለዎ ሰነድ እዩ፡፡


ይኹንድኣ’ምበር መንግስቲ ትግራይ ኣብቲ ዝተፈረመ ሰነድ ብስርዓት ክስተኻኸሉን፣ ክውሰኹ ዘለዎም ጉዳያትን ዝምልከት ፈልዩ ነፂሩ ኣሎ፡፡ ብምዃኑ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወኪሎም፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝተሳተፉ ልኡኻት ብመንግስቲ ትግራይ ብዕሊ
ዝተወከሉ ምዃኖም ብስሩዕ ደብዳቤን ብሚድያን ንሕብረት ኣፍሪካ ተገሊፁ እዩ፡፡ መደራደርቲ ኣካላት እውን ዝፈልጡዎ ሓቂ እዩ። ስለዙይ እውን ብወገን ትግራይ ዝተደራደሩ ወኪላትና ንህዝብን መንግስትን ትግራይ ዝወከሉ እምበር ወኪላት ህወሓት ስለዘይኮኑ ክስተኻኸል ዝግበኦ እዩ፡፡ ምስዚ ተኣሳሲሩ ኣብቲ ሰነድ ዕጡቓት ህወሓት ተባሂሉ ዝተቐመጠ ኣገላልፃ ሰራዊት መንግስቲ ትግራይ እምበር ዕጡቓት ህወሓት ዝበሃል ሓይሊ ስለዘየለ ክስተኻኸል ዘለዎ እዩ። ከምኡ እውን ብድምፂ ህዝቢ ትግራይ ዝተመረፀ መንግስቲ ትግራይ ክቕየር፥ ክፈርስ ዝኽእል ብህዝቢ ትግራይ እምበር ብስምምዕነት ተፃብኦ ደው ምባል ስለዘይኮነ እዚ’ውን ክወፅእ ዘለዎ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ትሕዝቶን ኣገላልፃን እቲ ሰነድ ስምምዕነት ውሑስ ሰላም ብዘረጋግፅ ኣገባብ ኣፍቲ ሰነድ ብዝተቐመጠ ስርዓት መሰረት ንምስትኽኻል መንግሰቲ ትግራይ ኣድላዪ ቃልሲ ከም ዝገብር ንህዝብና ከፍልጥ ይደሊ፡፡


ብመሰረት እቲ ሰነድ ስምምዕነት ኣብዚ እዋን ቀዳምነት ተዋሂብዎም ክትግበሩ ዘለዎም ጉዳያት ኣለዉ፡፡ ንሳቶም እዉን ተፃብኦ መሊኡ ደው ክብል፣ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዓይነትን መጠንን ብዘይወዓል ሕደር ከይተቆራረፀ ናብ ትግራይ ክኣትው፣ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ
ክጅመሩ፣ ህዝብና ብኣልማሚት ይጭፍጭፉን ሃፍትና ይዘምቱ ዘለዉ ወረርቲን ጨፍጭፍትን ሓይልታት ኤርትራን፣ መሻርክቱ ፀረ-ሰላም ሓይልታትን ብቕልጡፍ ካብ ትግራይ ክወፁ ኣለዎም፡፡ ኣብ ምውፃእ እቶም ወረርቲ፣ መንግሰቲ ኢትዮጵያ ይኹን ዓለምለኸ ማሕበረ-ሰብ ፖለቲካዊ፥ ፕሎማስያዊን ሕጋውን ሓላፍነቶም ክፍፅሙ ይግባእ፡፡ በዚ መንፅር ኣብ ፕሪቶሪያን ናይሮቢን ዝተበፅሐ ስምምዕ ውዓል ሕደር ከይተብሃለ ተግባራዊ ክኸውን ይግባእ።

ብድማር ህዝብን መንግስትን ትግራይ ናብ ኲናት ዝኣተዉ ሕግን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ተጣሒሱ፥ ኣብ ልዕሊኦም ጥልመትን ክሕደትን ተፈፂሙ፣ ብዕሊ ስለዝተወረሩን ብኣረመንያዊ ጀኖሳይድ ስለ ዝተጨፍጨፉን እዩ፡፡ እንተዀነ ግና፣ ድሕሪ ከቢድ ቃልስን መስዋእትን ካብ ፈለሙኡ ጀሚሮም
ሕገ-መንግስቲ ይከበር ኢሎም ዘስምዕዎ ድምፆም ኣብ ግምት ዘእተወ፣ ጠለቦምን ሕቶኦምን ክምልስ ተስፋን እምነትን ዝተገበረሉ ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሙ ኣሎ፡፡ ስለዙይ ህዝብን መንግስትን ትግራይ፣ ነቲ ሰነድ ስምምዕነት ንምትግባር ብፅንዓት ከም ዝቃለሱ ንማሕበረ-ሰብ ዓለምን ንኹሎም መዳርግቲ ኣካላትን ብዕሊ እንተፍልጡ፣ ምእንተ ውሑስ ሰላም ክነግስን ድሕንነት ህዝብና ናብ ሓደጋ ከይኣትዉን ክስተኻኸሉን ክውሰኹን ኣለዎም ኢሎም ዘቕርብዎም ጉዳያት ብቅንዕና ተራእዮም ተቐባልነት ከም ዝረኽቡ ተስፋ ብምግባር እዩ፡፡

ብምዃኑ መንግስቲ ትግራይ እዚ ስምምዕ፣ ሃለዋት፥ ደሕንነት፥ መሰልን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅን ተግባራዊ ንምግባርን ብኹሉ ዓቕሙ ከም ዝረባረብ ንህዝብና የፍልጥ፡፡ ህዝብና ድማ ኩሉ ዓይነት መስዋእትነት ዝኸፈለሉ ህዝባዊ መኸተና ሽትኡ ክወቅዕ፣ ከምወትሩ ኣብ ጎኒ መንግስቱ ዓሲሉ፣ ሓፂናዊ ሓድነቱ ብዝበለፀ ኣጠናኺሩ፣ ስምምዕነት ዘተ ህልውና ትግራይን ረብሓ ህዝቢ ትግራይን ከይተሸራረፉ ንምትግባር፣ ኣብ ዝካየድ ርብርብ እጃሙ ከምዘወፊ፣ እምነት መንግስቲ ትግራይ ልዑል እዩ።


ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና
ትግራይ ትስዕር!
መንግስቲ ትግራይ
ሕዳር 04/2015 ዓ/ም
መቐለ