”ውዕሊ ፕሪቶሪያ፡ ስምምዕ ሰላም ዶስ ፍርዲ ባዕዳዊ መግዛእቲ?” -መግለፂ ባይቶና

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ

ታሪኻውያን ፀላእትና ንዓመታት ዝተጸበይዎ ሕልሞምን ባህጎምን ንምስኻዕ ሙሉእ ዓቕሞም ኣኪቦም፤ ግዳማውያንን ውሽጣውን መላፍንቲ ብምውዳብ መንነትናን ብሔራዊ ክብርናን ከጥፍኡ ተሊሞም ቅሉዕ ኲናት ምጽናት ዘርኢ ካብ ዝእውጁ ክልተ ዓመቱ ደፊኑ ይርከብ። ኣብዞም ሕሱማት ዓመታት ውሽጢ ጸላእቲ፤ ትግራይን ትግራዋይነትን ካብ ገጽ ምድሪ ሓኺኾም ንምጥፋእ ወድሰብ ካብ ጥንተ-ታሪኹ ጀሚሩ ዝተጠቐመሎም ኣረመኔያዊ ሜላታት ብምጥቃም ህዝብና ኣደዳ ህልቂት፣ ስደት፣ መሪር ዓጸቦን ድኽነትን፣ መንነታውን ባህላውን ሓጓፍ ክፍጠር ብምግባር ዘለኣለማዊ ሃሰያን ስምብራትን ኣብጺሖምልና እዮም። ንዘበናት ብዕሾኽ ተኸቢቡ፤ ግን ድማ ወግሐ ጸብሐ ሰላም ዝናፍቕ ህዝብና ድማ መሪጹ ዘይኮነስ ኣንጻር መንነቱን ህልውና ብሔሩን ዓሊሙ ዝተለኮሰ ህቦብላ ጥፍኣት ንምክልኻል ክብል መሪር ቃልስን መስዋእትነትን እናኸፈለ ይርከብ።

እዚ ናይ ክልተ ዓመታት መከራ ንከብቅዕ ብዝብል ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን 23 ጥቅምቲ 2015 ኣብ ሃገረ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ሰነድ ስምምዕነት “ዘላቒ ምቁራጽ ኲናት” ተኸቲሙ ኣሎ።

ነቲ ፈታዊ ሰላም ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ትርጉም ሰላም ክተስተምህሮ ምፍታን ንዓሳ ሓመሳ ከም ምስትምሃር እዩ። ንኹሉ ግልፂ ክኾን ዘለዎ ጉዳይ ህዝብና ብረት ዘልዐለሉ ምኽንያት ታሪኻውያን ፀላእቱ ከካብ ዘለዉሉ ተኣኻኺቦም ኣብ ልዕሊኡ ዝኣወጅዎ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ንምምካትን ኣብ ትግራይና ሰላም ክሰፍን ንምግባርን እምበር ህውከት ንምፍጣርን ስልጣን ህወሓት ንምዕቃብን ዓሊሙ ኣይኮነን። ውድብና እውን ኲናት ደው ክብልን ሰላም ክህሉን ዝድግፎ ጉዳይ ብምዃኑ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብመግለፂታቱ ኣቢሉ ንህዝቢን ማሕበረሰብ ዓለምን ጻውዒቱ እናቕረበ ፀኒሑ እዩ።

በዚ መሰረት ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣካላት ዝተበጽሐ ስምምዕነትን ካልእ ብዝኾነ መዳይ ሰላም ንምፍጣር ተባሂሉ ዝግበር ጻዕርታት ኩሉ ድጋፍ ዝወሃቦ ጉዳይ እዩ።

ኮይኑ ግና፣ እዚ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ስምምዕነት “ዘላቒ ምቁራጽ ኲናት” ከም ተጋሩ ካብዚ ስምምዕነት ክንረኽቦም እንኽእል ግዚያዊ ዕድላት ጸንቂቕና ንምጥቃም ክንብል ብኣወንታ ክንሪኦ ዝግባእ ዋላ እንተኾነ ህዝብና ዝናፍቖን ዝህንጠወሉን ዘላቒ ሰላም፣ መንእሰይ ትግራይ ዝተቓለሰሉ ዕላማን ረብሓታት ትግራይን ብዘላቕነት ከረጋግፅ ዝኽእል ውጽኢት ኣለዎ ዝብል እምነት የብልናን። ምኽንያቱ ድማ፥-

1. ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ኲናት፤ መንነታውን ብሔራውን ህልውና ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ዝተወለዐን ሚልዮናት ህዝብና ግዳይ ሞት፣ ጉድኣት ኣካልን ስደትን ዝገበረ ስለዝኾነ ብወገን ትግራይ ዝግበር ዘተን ልዝብን ኩሉ ትግራዋይ ዝውክልን ሓሳባትን ባህግን ተጋሩ ዝሓቁፍን ክኸውን ተደጋጋሚ ጻውዒት እናቕረብና ጸኒሕና ኢና። ኢትዮጵያ ከይትፈርስ ልቡ ክሳብ ዝርህጽ ዝደክም ውድብ ህወሓት ብሔራዊ ረብሓታት ትግራይ መትከል ገይሩ ክማጎት ስለዘይኽእል ንሕቶ፣ ውሽጣዊ ቃንዛን ንረብሓን ተጋሩ መሰረት ገይሮም ዝቐርቡ ሓሳባት ዘተኣናግድ ፖለቲካዊ ምትዕርራይ ክግበር መማረጽታት ኣቕሪብና፤ ሰማዒ ኣይረኸቡን። ስለዚ ተፈሪሙ ዘሎ ውዕል መንቀሊ ብሔራዊ ውርደትናን መንነታዊ ጥፍኣትናን ዝኾኑ “ህወሓትን ብልጽግና-ኢህወደግን” መንበረ-ዙፋኖም ንምውሓስ፣ ካብ ተሓታትነት ንምምላጥ፣ ሃፍቶምን ንብረቶምን ንምድሓን ክብሉ ዝተስማዕምዕዎ ውዕል ስልጣን ስለዝኾነ

2. መንእሰይ ትግራይ ካብ ጥፍኣትን ህልቂትን ንዘለኣለም ውሑስ ዝኸውን ዘዝተፈጠረ ወለዶ ኮነ ተባሂሎም ብዝፍጠሩ ጽንተታዊ ኲናታት ንሞት ዘይሳወረላ ሉዕላዊት ትግራይ ብምግሃድ ጥራሕ ምዃኑ ኣሚኑ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ሂወቱን ኣካሉን እናኸፈለ ጸኒሑ እዩ። እዚ መስዋእትን መሪር ቃልስን ተጋሩ ሰኣን ንጹር ትካላዊ ዕላማን ኣማቲ መሪሕነትን ንድሕሪት ምምላሱ ከይኣክል ሐዚ ድማ ባህጊ ሃገርነትና ክቕህም፣ መንነታዊ ክብርን ብሔራዊ ረብሓታትን ትግራይ ድማ ምእንተ ህልውና ኢትዮጵያ ተባሂሉ ክህገርን ክሓቅቕን ዝተኣልመ ዘለኣለማዊ መቓብር ኮይኑ ስለዝረኸብናዮ፤

3. ተጋሩ ኣብ ታሪኽ ከምንፈልጦ ጉልበት ተጋሩ ንምድኻምን ስልጣን ገዛእቲ ካብ ተነሓናሕቲ ንምውሓስን ክብሃል ዝተፈረመ ውዕሊ ፈረስ ማይን ውጫለን፤ ታሪኻዊ መሬት ዓደቦናን ፍንጫሕ መሰንገልና ዝኾነ ህዝቢ ምድረ-ባሕርን ቆሪሱ ንባዕዲ ብምሻጥ ዝሓለፉ 130 ዓመታት ጎደሎ ህልውናን ስሑው ማእገርን ክህልወና ገይሩ እዩ። እዚ ቃንዛ ከይኣክል ሎሚ ድማ እታ “ሰኣን ኣያ” ተቖራሚማ ዝተረፈት ኩርማን መሬት ትግራይ እውን ብውዕሊ ፕሪቶሪያ ምእንተ ኢትዮጵያ መስዋእቲ ክትከውን ዝፈርድ፤ ትግራይን ተጋሩን ድማ ብስደት፣ ብሰፈራ፣ ባህሊ ብምብራዝን ደስኪልና ክንጠፍእ ዝገብር ስለዝኾነ፥

4. ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኢትዮጵያ፡ ኩሎም መሓውራታ፣ ትካላታ፣ ህዝባን ዘለውዋ ሕግታትን ብሓባር ዘሚቶም ህልውናና ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ገይሮም እዮም። እዚ ዝተፈረመ ውዕሊ፡ ኢትዮጵያ ኣብ መበለ 21 ክ/ዘበን ንዝሰርሐቶ ገበን ምጽናት ዘርእን ጅይኖሳይድን ኣፍልጦ ዘይህብን ነቲ ገበን ዝምጥን ህጹጽ ሕጋዊ ውሳነ ከይረክብ ሽፋን ዝህብ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ሕቶታት ትግራይ፡ ንዝሓለፉ ዓመታት ብሔራዊ ህልውናና ኣብ ሓደጋ ብዘውደቐ፣ መጻኢ ዕድል ህዝብናን ረብሓታት ትግራይን ብዘሀገረ፣ ኣብ መወዳእታ እውን ከም ህዝቢ ክንጸንት ዝፈቐደ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰረት ገይሩ ክፍታሕ ኢሉ ዝድምድምን “ንሰይጣን ምሕረት ክህበና ክንምሕጸን” ዝጠልብን ሕጫጨ ስለዝኾነ እዚ ስምምዕነት ካብ ሰላምን ሰብኣዊ ሓገዝን ወጻኢ ንዘሎ ሓፈሻዊ መንፈሱን ንዘላቒ ባርነት ሰረት ዘቐምጥ ትሕዝቶኡን ኣትሪርና ንኹንኖ ምዃኑ ንገልጽ።

ባይቶና ህዝብናን ሰራዊትናን ንዝሓለፉ መረርቲ ናይ ቃልሲ እዋናት መስካሕኽሒ ግፍዒ ጸላእቲ ተጻዊሩ ብስሙር ሓድነት ዝተቓለሰሉ ምኽንያት ብሄራዊ ውሕስና ክረክብ፣ መንነቱን ክብሩን ክዕቅብ፣ ናተይ ዝብላን ኮሪዑ ዝነብረላን ሃገር ክውንን ካብ ዘለዎ ባህጊ እዩ ኢሉ ይኣምን። ኮይኑ ግና ንረብሓታትን ዓንድታትን ትግራዋይነት ብቕሉዕን ብስውርን መንገዲ እናፍረሰ ኢትዮጵያ ናይ ምሕላውን ምድሓንን ዕላማ ዝተሓንገጠ፣ ኣማትን ተዓጻጻፍን መሪሕነት ክህብ ዘይኽእል፣ ካብ ጸቢብ ጉጅለኣዊ ረብሓ ወጻኢ ኣንዊሑ ዘይርኢ መሪሕነት ህወሓት ካብ ዕላምኡን ሕሉፍ ባህሪያቱን ተላዒሉ ክቡርን ድሙቕን ዋጋ ዝተኸፈለሉ ብሔራዊ ቃልሲ ናብ ስሑት መንገዲ ከይጨውዮ ዝነበረና ስግኣት ንክቕረፍ ብተደጋጋሚ ንዘቕረብናሉ መማረጺ ሓሳባትን ጻውዒታትን ብምንጻግ ዓይኒ ዕሙተይ እናተጎዓዘ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ብሰንኪ ግጉይ ኣተሓሳስብኡ፣ ድኹምን ልሙስን መሪሕነቱ፣ ትግራዋይ ዘይኮነ ራኢ ሒዙ ተጓዒዙ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ውድቀት ኣጋጢምዎ ሮማዕ እንትብል፤ ህዝቢ ትግራይ ዝኸፈሎ ዋጋን ዝሓፈሶ ዓወትን፣ ዝሃነጾም ትካላት፣ ዝተሰወአሎም ረብሓታት፣ ዝተቓለሰሎም መትከላት እውን ተመላሊኡ ክወድቕ ብምሕሳብ ረብሓ ትግራይ ዘሀገረ ስምምዕነት ፈጺሙ ኣሎ። እዚ ስምምዕነት ኣብ መንጎ ክልተ ፖለቲካዊ ሓይልታት ናይ ሓንቲ ሃገር ዝነበሩ ኣካላት ዝተገበረ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ “ባዕዳዊ ገዛእትን” “ተገዛእትን” ዝተገበረ ዝመስል፣ ተጋሩ ኣብ ዘለኣለማዊ ማሕዩርን ባርነትን ክነብሩ ዝገብር እዩ። ሰለዚ ህዝብና፤ እዚ ስምምዕነት መዓር ዝተላኸየ መርዚ ምዃኑ ተረዲኡ፤ ከርክቦም ዝኽእሉ ጸጋታት ሰላምን ሰብኣዊ ድጋፋትን ሓንኲኽና ብምጥቃም እቶም ዘለኣለማዊ መሸንቅቖታትን ሓደጋታትን ድማ ብዘላቕነት ንምውጋድ ኣብ ትግራዋይነትና ሰሚርና ዝተናውሐን ኣማትን ቃልስና እንቕጽል ምዃንና ተረዲኡ ብመንፈስ ድሉው ክኸውን ባይቶና ይጽውዕ።

ዝኸበርካ ሓየት ስራዊት ትግራይ

ታሪኽን ጅግንነትን ዝቦቐለላ መሬት ዓደቦኹም እንትትድፈር፣ መንነትኩም እንትግፋዕ፣ ክብሪ እኖን ትግራዋይነትን እንትራኸስ ቱታ ኢልኩም፤ ንህዝብኹም ካብቲ ፀላእቲ ዝተመነዩሉ ውርደትን ጥፍኣትን ክተድሕኑ ምስ ሞት ፊት ንፊት ገጢምኩም ንትግራይ ቤዛ ዝኾንኩም፣ ድኻምን ጻዕርን ዝሓትት ሙያ ኣብ ሓጺር ግዘ ለሚድኩም፣ ብድሆታት ቃልሲ መኪትኩም ክልተ ዓመት ሙሉእ ምስ ጸላእቲ ክሳድ ንኽሳድ ተሓናኒቕኩም ሓደራ ህዝብኹምን ቃልኩምን ንዘኽበርኩም ሰራሕቲ ተኣምር ንዝኾንኩም ወለዶ ውድብኩም ባይቶና ልዑል ክብሪ ኣለዎ።

ባይቶና ዝተቓለስኩምሉ ኣውራ ዕላማ ጸላእቲ ደምሲስካ፣ ሃገረ ዓባይ ትግራይ ብምግሃድ ኣብ መድረኽ ዓለም ክትጽምበር ምግባር ከምዝኾነ ይፈልጥ። ነዚ እውን ማእለያ ዘይብሉ ሂወት ተኸፊሉ፣ ኣካል ጎዲሉ፣ ላዕልን ታሕትን፣ ጽምእን ጥሜትን ሓሊፍኩም። ኩሉ ትሕቲ ሃገር ኢልኩም ጸይርኩምዎ። ህዝብኹም ኮሪዑ፣ ጸላእቲ ድማ ሓኒኾም ርእሶም ኣድኒኖም እዮም።

ኮይኑ ግና ቃልስና ከይተዛዘመ ከሎ፤ ዋጋ መስዋእቲ ሰራዊትና ዘይዕቅብ፣ ኣማኢት ኣሽሓት ዝሞቱሉን ዝቖሰልሉን ዕላማ ብባዶ ዘባዝሕ፣ ትግራይን ትግራዋይነትን ኣብ ዘለኣለማዊ ወኽኒ ዝቕይድ ውዕሊ ተፈሪሙ ኣሎ። ህረፍ ስልጣንን ውልቃዊ ስስዐን ዘደንዘዞም መራሕቲ ውድብ ህወሓት ትካላዊ ቁመና ሰራዊት ትግራይ ስሩዕ ትካላዊ ቅርጺ ከይህልዎ፣ ዘሎ ወለንታ ቅርጺ ከይህልዎ፣ ዘሎ ወለንታዊ ሰራዊት እውን ተጸዋዕነቱ ኩሎም ስራሕ ፈጸምቲ ህወሓት ንዝመርሕዎ ሴንትራል ኮማንድን ንሓደ ውልቀ ሰብን ኮይኑ እንትደልዩ ዝእክብዎ፡ እንተዘይደልዮም ዝብትንዎ ሰራዊት ንምህናጽ ዝገብርዎ ዝነበሩ ፈተነታት ብትሪ እናተቓለስና መጺና ኢና። ውድብና ብሔራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ሰራዊት ትግራይ ብሕጊ ክቐውምን፣ ተሓላቕነቱ ንረብሓን ዓንድታትን ትግራይን ተጸዋዕነቱ ድማ ንቤት ምኽሪ ትግራይ ክኸውን፣ ወታደራዊ ክንፊ ውድብ ህወሓት ካብ ምዃን ክወጽእን ነጻን ዘይሻራውን ኮይኑ ከጣየሽ፣ ዝተኸፈለን ዝኽፈል ዘሎን መሪር መስዋእቲ ክብሪ ተዋሂብዎ ዝምጥን ዕላማ ክንጸር ተደጋጋሚ ጻውዒት ዋላ እኳ እንተቕረብና፡ ጻውዒትና ነጺጎም ሕቶታትና ንጸቢብ ፖለቲካዊ ረብሕኦም ከውዕልዎ ብምሕሳብ ባንዳታት፣ ተለኣኣኽቲ፣ ጸረ-ቃልሲ፣ ሰራዊት በተንቲ እናበሉ ሽምና ከጥፍኡን ንህዝቢ ከደናገሩን ላሕ ክብሉ ጸኒሖም እዮም። ስትራቴጂካዊ መሪሕነት ምሃብ ተሳኢንዎ ኣብ ዕንክሊልን ፍቕሪ ኢትዮጵያን ዝተሸኸለ መሪሕነት፤ ብሚድያን ብመሓውራት ውድብን ህዝቢ ትግራይ ጅግንነቱን ጥንካርኡን ተጸንቂቑ ክሽበርን ክርዕድን፣ ብዝገጠሞ ሕሰምን መከራን ክስኮን፣ ብሕታዊ መፍትሒ ናብ ኢትዮጵያ ምድማር ምዃኑ ኣሚኑ ኢዱ ክህብ ዝገብር ዝተዋደደ ተግባራት እናሰርሐ ይርከብ።

ይኹን እምበር ህወሓት ብዝፈረሞ ውዕል ዝምብርከኽ ሕልናን ዝኹለፍ ቃልስን፣ ዝተኣጓጎል ዕላማ፣ ንድሕሪት ዝምለስ ጉዕዞ ከምዘየለ ተረዲእኻ ኣብቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሓዱሽ መድረኽ ቃልሲ ግቡእኻ ክትፍፅም ንፅውዕ።

ዝኸበርኩም ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ትግራይ

ዝሓለፉ ፈተንቲ ናይ ቃልሲ ዓመታት ኣብ መላእ ዓለም ዝነብር ትግራዋይ ኩሉ ብልዑል ብሔራዊ ስምዒትን ሓድነትን ዝሰመረሉ ኮይኑ፡ ድምጹ ተዓፊኑ ግዳይ ቁምቡላን ኣፈሙዝን ጸላእቲ ዝኸውን ዘሎ ህዝብና ስቓዩን መከርኡን ንማሕበረሰብ ዓለም ንምቅላሕ ኩሎም ጽዕንቶታት በዲህኹም ተጋዲልኩም። ተኸቢቡ ብጥሜትን ሕማምን ክጠፍእ ዝተፈረዶ ህዝብኹም ሂወቱ ንምድሓን ተረባሪብኩም ዓሰርተታት ኣሽሓት ስድራ ብምሕጋዝ ታሪኽ ዘይርስዖ መስተንክር ሰሪሕኹም። ቃልሲ ግንባር ብዝለዓለ ናህሪ ክቕጽል ብዝብል ድማ ኣብ ከቢድ ኣነባብራ ኮይንኩም እውን እንተኾነ ሂወትኩም፣ ገንዘብኩም፣ ንዋትኩምን ግዜኹምን ብምብርካት መሪር እዋናት ኣሕሊፍኩም ኢኹም። እዚ ውዕለታኹም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጽላት ልቡ ሰኒዱ ንዘልኣለም ዝዝክሮ እንትኸውን፤ ንስኻትኩም እውን ህዝብኹምን እትፈትውዋ መሬት ዓደቦኹምን ተበዲሎም ከብቅዑ ዓለም ሪኡ ከምዘይረኣየ እንተጽቅጥ ዝኸፈልኩምዎ መስዋእትን ብሓዘን ዝነባዕኹምዎን፤ ዓባይ ትግራይ ክብሪ ሃገርነት ጨቢጣ ኣብ መድረኽ ዓለም ጸብለል እንትትብል ብሓጎስን ደስታን ክትስዕስዑን ባህታ ክትድበሱን ኢኹም።

እዚ ኩሉ ህዝብና ዝኸፈሎ መስዋእቲ፣ ድኻምን መሪር ቃልስን መሬት ዓደቦና መሊስና፣ መንነታዊ ሓድነትና ኣረጋጊጽና ሃገረ ዓባይ ትግራይ ወኒንና ክንጽምብል ብዝብል ዕላማ እዩ ነይሩ። ዘዝሸወዩ ወለዶታት ሂወት፣ ኣካልን ሃፍትን ዝግብሩሉ መወዳእታ ዘይብሉ ዕንክሊል መዕለቢ ክግበረሉ ካብ ዝብል ተስፋን እምነትን እዩ። ይኹን እምበር እምነትን ሓደራን ህዝቢ ትግራይ እናሓንሸሸ ዝመጸ፣ ልዕሊ መንነታዊ ህልውና ወድባውን ጉጅለኣውን ረብሕኡ ዘቐድም፣ ሓድነትን ጥንካረን ትግራይ ዘባህርሮ፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ ብፍቕሪ ስልጣን ዓይነ ሕልንኡ ዝዓወረ ውድብ ህወሓት ዝደኸምኩምሉ ዕላማን ባህግን ከንቱ ዘትርፍ ውዕሊ ፈሪሙ ይርከብ። ብዚ ምኽንያት ድማ ዕላማና ንምስኻዕ ተወሳኺ ዋጋ ክንከፍል፣ ቃልስና ክነውሕን ዝተሓላለኸ ክኸውንን ገይርዎ ኣሎ።

ስለ ዝኾነ ዓጸቦን መከራን ህዝብና ንዘለኣለሙ ከብቅዕ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብና በደል ዝፈጸሙ ደመኛታት ናይ ኢዶም ክረኽቡ፣ ብሽርሒ ጸላእቲ ዝተበታተነ ህዝብና ናብ ሓደ ክእከብ፣ ተሺንሺኑ ዝተበተነ ታሪኻዊ መሬትና ክምለስን ሃገረ ዓባይ ትግራይ ክትገሃድን ዳያስፖራ ተጋሩ ቀጺሉ ዝጽበየና ቃልሲ ዝሓየለን ዝኸበደን ምዃኑ ክትርድእዎ ይግባእ። ፈተናታትን ብድሆታትን ክንዲ ድላዮም ይብዝሑ፤ ንጽንዓትን ብልሕን ተጋሩ ዘሰኩን ኣይኮነን። ባህግና ክዕወትን መጻኢና ብሩህ ክኸውንን እንተድኣኮይኑ ድማ ክሳብ ሐዚ ዝመጻእናሉ መንገዲ ካብ ልሙድ ከይዲ ውጽእ ኢልና ብግቡእ ንገምግሞ፣ ብሔራዊ ዕላማና ከይነሳኽዕ ዘሐንኩለና ናይ ውሽጢ ቁንቁነታት ሰሚርና ንምውጋድ ቆራጻት ንኹን፣ ዝተናበበን ዝተዋደደን ቃልሲ ይሃልወና፣ ዓቕምታትና ጸንቂቕና ክንጥቀም እንኽእለሉ መስርሕ ንሓንጽጽ፣ ዘላቒ ለውጢ ዘምጽኡ ስትራቴጂክ ትካላት ኣብ ምምስራት ዘድሃበ ተግባራት ክነትኩር ግድን ይኸውን።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ተጋሩ

ዝዛዘምን ዝዕጾን ምዕራፍ ቃልሲ የለን። ሃገረ ዓባይ ትግራይ ንምግሃድ- ቃልሲ ተጎሃሂሩ ይቕጽል፤ ሃገርነት ጨቢጥና እውን ውሕስትን ብልጽትን ኮይና ክትነብር ቀጻሊ ቃልሲ ክጽበየና እዩ። ክሳብ ሐዚ ሓደ ገጽ ቃልሲ ኣካይድና ኣለና፤ ዝወደቕናሉን ዘዐወትናዮን ዕላማታት ገምጊምና ድማ ናብቲ ሓዱሽ ምዕራፍ ንሸጋገር። ጀኖሳይድ ዝተፈጸመሉ ህዝብና ፍትሒ ክረክብ፣ ኣብዚ ቃልሲ ምእንተ ህልውና ትግራይ ሂወቶምን ኣካሎምን ዝኸፈሉ ኣሓትኩምን ኣሕዋትኩምን ንምድባስ ኣትገብርዎ ዘለኹም ቃልሲ እውን ክተበርኹ ጻውዒትና ነቕርብ።

ኣብ መወዳእታ፡ ህወሓት ብስሩዕ ሽሙ ተጠቒሱ፣ ብስራሕ ፈፃሚኡ ኣቢሉ ኣብ ቅድሚ ዓለም ንዝፈረሞ ውዕሊ ከም ውድብ ከምዘይፈልጦ ኣምሲሉ ዝኸዶ ዘሎ ክያዶ “ዝኣኽለንያ ጥሒነንስ በኣለማርያም” ከምዝበሃል እዩሞ ዝፈሸለ መሪሕነት ህወሓት ሕዚ’ውን ህዝቢ ንምድንጋር ዝገብሮ ዘሎ ፀረ ሰላም ምንቅስቓስ ጠጠው ከብል ንፅውዕ። ብተወሳኺ ድማ ነበር-መራሒ መንግስቲ ትግራይ ዝኾነ ውድብ ህወሓት ኣብ ፕሪቶሪያ ባዕሉ ብብሕታውነት ይመርሖ ንዝነበረ መንግስቲ ትግራይ ብፍቓዱ ኣፍሪሱ ከምዝመፀ እናተፈለጠ ብሽም መንግስቲ ትግራይ መግለፂ ዘውፅኡ ሸቃጦ ከምዘለዉ ተዓዚብና ኣለና። ኣብ ቅድሚ ዓለም እንትቐርብ “ፖለቲካዊ ውድብ” ኣብ ትግራይ እንትመፅእ ድማ “መንግስቲ” ዝኸውን በለፀኛ ሓይሊ፣ ጨለነት ጠጠው ከብል ኣለዎ። ብወገንና፣ ንሰራዊት ትግራይ ኣፍሪሱ፤ ስልጣኑ ክዕቅብ ላዕልን ታሕትን ዝብል ውድብ፤ ሕቡእ ባህሪኡ ንፈታውን ፀላእን ካብ ምቅላዕ ወፃኢ መኽሰብ ከምዘይብሉ ተረዲኡ ካብ ተመሳሳሊ ተግባራት ክቑጠብ ነተሓሳስብ።

ዓባይ ትግራይ ትዕወት!

ጥቅምቲ 06/ 2015 ዓ/ግ

መቐለ፤ ትግራይ