እቲ “ዝተፈረመ ናይ ሰላም ስምምዕነት ህዝብና ሒዝዎም ዝተልዓሉ ኣውራ ዕላማታት ኣብ ግምት ዘየእተወ ጥራይ እንተይኮነስ ብኣንፃሩ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ” -መግለፂ ሳወት

“ስምምዕ ሰላም” ብዝምልከት ብውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ክልተ ዓመት ካብ ዘንፀላለዎ ደበና ጥፍኣት ዝድሕን ኣብ ጥሙርን ውህዱን ውሽጣዊ ዓቕሙ ምዃኑ ብምእማን፤ ህዝባዊ ቃልስና ኣወሃሂዱ ዝመርሕ፣ ኩሉ ዓቕሚ ትግራይ ንምጥቃም ዘኽእል ከምኡ ድማ ውክልና ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘረጋግፅ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ተደጋጋሚ ፃውዒት ከቕርብ ምፅንሑ ዝፍለጥ እዩ። ቃልስና ሒዝዎም ዝተላዕለ መሰረታዊ ሕቶታት ንምምላስ ዘኽእል፣ ዝፀንሑን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝተፈጥሩን ሓደሽቲ ምዕባለታት እውን ኣብ ግምት ዘእተወ መፍትሒ ሓሳብ ዋላ እንተነበረ ብሰሪ ስልጣን ዝበሓተ ሓይሊ ተዓንፂሉ ክተርፍ ክኢሉ እዩ። ኣብ ትግራይ ፖለቲካዊ ለውጢ ዝጠልቡ ብወገንናን ብኻልኦት ብሄራውያን ሓይልታትን ዝቐረቡ መፍትሒ ሓሳባት፡ ዘጋጠመ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ውድቀትን ስዒቡ ዝተፈጥረ ከቢድ ብሄራዊ ሓደጋን ዘናግፉ ዋላ እንተነበሩ ባሊህ ዝብሎም ወገን ውሕድ ስለዝነበረ ግብራዊ ኣይኮኑን። ብፍላይ ድማ ውድብና 15 ሓምለ 2014 ኣ.ግ. ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ “ህወሓት ዝወጠኖ ሕገ መንግስቲ መሰረት ዝገበረ ድርድር ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ብምፍራስ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘለዎ ናይ ስልጣን ባህጊ መዋገዪ ከምዝገብሮ” ምግላፁ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመት ዝተኻየደ ፅንተታዊ ኲናት ደው ንምባል ማሕበረሰብ ዓለም ዝተፈላለየ ፃዕርታት ይገብር ምንባሩ ናይ ኣደባባይ ሓቂ እዩ። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ካብ ውሽጣዊ እምነቱ ብምብጋስ፤ ፃውዒት ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ግምት ብምእታው ብቐንዱ ድማ ድልየትን ሕርያን ህዝብና ማእኸል ብምግባር እማመ ዘተ ሰላም ምስ ካልኦት ብሄራውያን ውድባት ኮይኑ ምቕራቡ ዝዝከር እዩ። በዚ መሰረት ዘላቒ ሰላም ዝረጋገፅ መሰረታዊ ረብሓታት ትግራይን ኣውራ ዕላማታት ህዝባዊ ቃልስናን ብዝተማልአ መንገዲ ዝቕበል ከምኡ ውን ውክልና ህዝቢ ትግራይ ብዘረጋግፅ ከይዲ ዘተ ሰላም ምዃኑ ብተደጋጋሚ ገሊፁ እዩ።

ይኹን እምበር 23 ጥቅምቲ 2015 ኣ.ግ. ኣብ መንጎ ስርዓት ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ናይ ሰላም ስምምዕነት ህዝባዊ ቃልስና ሒዝዎም ዝተልዓለ ኣውራ ዕላማታት ኣብ ግምት ዘየእተወ ጥራይ እንተይኮነስ ብኣንፃሩ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ። ብምዃኑ ድማ ህይወት ኣእላፍ ተጋሩ ዝተኸፈለሎም ዕላማታት እቲ ቃልሲ ማለት እውን፡ ብህዝበ ውሳነ ዝረጋገጽ ሕቶ ሃገርነት፣ ዘላቒ ህልውና ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፣ ምርግጋፅ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ፣ ገበነኛታት ተሓተትቲ ምግባር፣ ንግዳያት ፍትሕን ካሕሳን ክረኽቡ ምግባር ዝብሉ መሰረታዊ ነጥብታት ኣብቲ ስምምዕነት ኣይኣተዉን። ብኣንፃሩ ትሕዝቶ እዚ ውዕሊ ብደምን ጥሪትን ህዝብና ንዝቖመ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዘፍርስ፣ ንግዳያት ፍትሕን ካሕሳን ናይ ምርካብ መሰል ዝጎሲ፣ ትግራይ ናብ ምእኹል ስርዓት ምሕደራ ኢትዮጵያ ዝምልስ፣ ሕጋዊ ግዝኣት ትግራይ ናብ “መዋጠጢ ቦታ” ብምውራድ ናብ ዘይዛሪ ህውከት ዘእቱን ከይዲ ሰላምን ኣፈፃፅምኡን ብስርዓት ኢትዮጵያን ትካላቱን ክምራሕ ዝገብርን ኣዝዩ ቀይናን ስምምዕነት ምዃኑ ነብስወከፍ ትግራዋይ ከስተብህለሉ ይግባእ። ብድምር እዚ ስምምዕነት ፕሮጀክት ኢትዮጵያውነት ንምዕዋትን ናይ ትግራይ ብሄርተኝነት ንምውቃዕን ንምህሳስን ዝዓለመ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ።

እዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ውዕሊ ኣብ መንጎ ሕጋዊ ወኪል ህዝቢ ትግራይን ስርዓት ኢትዮጵያን ዝተገብረ ኣይኮነን። ብኣንፃሩ ኣብ መንጎ ውድብ ህወሓትን ስርዓት ኢትዮጵያን ዝተፈረመን፡ ትሕዝትኡ ድማ ረብሓ ክልቲኦም ተደራደርቲ ሓይልታት መሰረት ዝገበረን እዩ። እዚ ኣጋጣሚ ሓቀኛ ባህሪ ብኢደ ወነኑ ንትግራይ ዝወከለ ውድብ ህወሓት ዝቐላልዐ ፍፃመ እውን እዩ። ኣብዚ ክስመረሉ ዝግባእ መሰረታዊ ሓቂ ዘላቒ ሰላም ዝፍጠር ብፅልዋን ፅዕንቶን ግዳማውያን ሓይልታት ወይ ድማ ሕቶታትን ድልየታትን ሓደ ወገን ብምምላስ ዘይኮነስ ናብ ኲናት ዝወሰዱ ፀገማት ብምፍታሕ፣ ረብሓ ኩሎም ወገናት ማእኸል ብምግባርን ሓቀኛ ውክልናን ተሳትፎን ኩሎም ሰብግደን ብዘረጋግፅ ከይዲ ሰላም ምዃኑ ክንገልፅ ንደሊ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ መሰረታዊ ዕላማታት ህዝባዊ ቃልስና ማለት ውን ብህዝበ ውሳነ ዝረጋገፅ ሃገርነት ትግራይ፣ ምርግጋፅ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ፣ ግዳያት ብፍላይ ህዝብና ድማ ብሓፈሻ ግቡእ ፍትሕን ካሕሳን ክረክብ ብምግባር ሽትኦም ክሳብ ዝወቕዑ ፖለቲካዊ ቃልሱ ኣሐይሉ ክቕፅል እዩ። መላእ ህዝብና ብፍላይ ድማ ወለዶ ሳልሳይ ወያነ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ንዝፈፀሞ ብሄራዊ ሓርበኝነትን ተኣምራዊ ተጋድሎን ዘለዎ ልዑል ናእዳን ክብርን ክገልፅ ይፎቱ። ስለዝኾነ እዚ ብሄራዊ መለለዪ ተጋሩ ዝኾነ ጅግንነት፣ ፅንዓት፣ ሓድነትን ህዝባዊ ፍቕርን ረብሓን ህልውናን ህዝብና ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ብሄራዊ ቃልሲ ውን ክድገም ይፅውዕ። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ብሄራዊ ዕላማታትና ክሳብ ብምሉእነት ዝዕወቱ ልጓም ቃልሲ ብምስጣም ንዕውትነቶም ከምዝረባረብን ምስ ኩሎም ብሄራውያን ሓይልታት ትግራይ ተሓባቢሩ ንምስራሕ ድልው ምዃኑን ከፍልጥ ይደሊ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

6 ሕዳር 2015

መቐለ፡ ትግራይ